ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ብመጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ቤት መግቢ ሊዶ 20 ሰባት ሞይቶም


ፖሊስ ሶማል እቲ ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ሓደ ፍሉጥ ቤት-መግቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ብዉሑዱ 20 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እቲ መጥቓዕቲ ብዕጡቓት አልሸባብ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ አል-ሸባብ ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።

መኮንን ፖሊስ ሶማል መሓመድ ዓብድራሕማን ነቲ መጥቓዕቲ ንንጹሃት ሰባት ብግፍዒ ዝቀተለ ባርባራዊ ተግባር'ዩ ክብሉ ሎሚ ገሊጾም ኣለው።

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ንመራሒ'ቶም ዕጡቓት ክሕዙ ከምዝኽእሉ ሓደ ላዕለዋይ መኮንን ስለላ ሶማል ንዲምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም'ለው።

XS
SM
MD
LG