ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ አብ ሶማል ልዕሊ 60 ወታደራት ኬንያ ቀቲለ ይብል


ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣል-ሸባብ ኣብ ጥቓ ከተማ ኤል-ኣደ ሶማል ንዝርከብ ወታደራዊ መደብር ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ድሕሪ ምጥቕዑ ወታደራት ኬንያ ከምዝተቐትሉ ገሊጾም።እቲ ቦታ ካብ ከተማ ጋርባሓረይ ብኣንፈት ደቡብ ኣስታት 60 ኪሎሜትር ሪሒቑ ይርከብ

ሃገሮም ብናይ ኣል-ሸባብ መጥቓዕቲ ከምዘይትሽቁረንንን፤ኬንያ ኣብቲ መጥቓዕቲ ንዝተሳተፉ ገበነኛትታ ክትሃድኖም ምዃና፣ደም ወታደራታ ብከንቱ ፈሲሱ ከምዘይተርፍ ዝገለጹ ፕሬዝዳንት ኡሁሩ፡ ኬንያን መሻርኽታን ኣብ ሶማል የካይዱዎ ዘለው ተልእኾ እውን ክቕጽል እዩ ኢሎም ።

ኣብ ሶማል ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ዝኾኑ ኣምባሳደር ፍራንስሲኮ ማደይራ ነቲ መጥቓዕቲ ብጽኑዕ ብምኹናን ወታደራት ኣሚሶም ግብረ-መልሲ እቲ መጥቓዕቲ ሂቦም ኣለው’ውን ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ፀሓፊ ባን-ኪሙን እውን ነቲ መጥቓዕቲ ዝኹንን መግለጺ ኣማሲዮም ኣውጺኦም ኣለው።

ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ቦምብ ዝጽዓና ብዉሑዱ ኣርባዕተ መኻይን ኣብ ቀንዲ መእተዊ ወታደራዊ መደብር ብምትኳስ ስዒቡ ኣብ መንጎ እቶም ኣጥቓዕትን ወታደራት ኬንያትን ከቢድ ናይ ቶኽሲ ልውውጥ ተኻይዱ።

ኣል-ሽባብ ልዕሊ 60 ወታደራት ኬንያ ቀቲለ ኣለኹ ኢሉ’ሎ።

ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ጌዶ መሓመድ ሑሴን ኢሳቅ ካብ 35 ክሳብ 40 ወታደራት ኬንያ ከምዝተቐትሉን ገለ ወታደራት ድማ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ከምዘምለጡን ንቪኦኤ ገሊጾም ኣለው።

ነፈርቲ ውግእ ኬንያ ኣብ ከባቢ ኤል-ኣደ ንዝርከቡ ኣል-ሸባብ ዝቆጻጸሮም ቦታታት ብምድምዳብ ብዉሑዱ ክልተ ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ ዝጥቀሙለን መኻይን ከምዘዕነው ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ኣል-ሸባብ ነታ ከተማን ከባቢኣን ብምቁጽጻር ባንዴርኡ ከምዝተኸለን ኣጽዋርን ወታደራዊ መኻይንን ከምዝማረኸን ነበርቲ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG