ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ንከተማ ማርካ ተቆጻጺሩ


ኣብ ሶማል እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ደቡባዊ ክፋል'ታ ሃገር ንትርከብ ከተማ ማርካ ከምዝተቆጻጸረ ነበርቲ'ታ ከተማ ሓቢሮም።ሓይልታት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማል ድማ ካብታ ከተማ ከምዘንሰሓቡ ተገሊጹ።

ኣልሸባብ ነታ ከተማ ዝተቆጻጸረ ኣብኣ ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊትን ፖሊስን ሶማል ካብቲ ቦታ ምስ ወጹ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ።

ማርካ ካብ ሞቃዲሾ 70 ኪ.ሜ ብሸነኽ ደቡብ'ያ ትርከብ።

ካብ ሰበ-ስልጣን ሕብረት-ኣፍሪቃ ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

XS
SM
MD
LG