ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ብነገድ ሙርሌ ተፈጢሩ ዝነበረ መጥቓዕቲ ብዙሕ ህይወት’ዩ ጠፊኡ ፡ እንተኾነ ብድሕሪኡ ዘሎ ኩነታት ተረጋጊኡ’ዩ ይብሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ኣቶ ጋትሉክ ቱት።
ኣዲስ ኣበባ —
‘ናይቲ ክልል ኩነታት ሰላም ብዝተሰርሐ ስራሓት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’ቱ ዘሎ ብፍላይ ንሕና ክልላዊ መንግስቲ ምስ ፈደራል ኣካል ብዙሕ ስራሕ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። ናይ ህዝቢ ምምይይጥ ጌርና ንህዝቢ ንምርግጋእ፡ ሕጂ ህዝቢ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታት’ዩ ዘሎ ዝተመዛበሉን’ውን ይምለሱ’ለው።’
ክፍተት ጸጥታ ስለዝነበረ’ዩ እዚ መጥቓዕትታት ዝወረደ ዝብል ኣዘራርባ ኔሮም እዚ በቲ ህዝቢ’ዶ ተላዒሉ ኔሩ ንዝብል ሕቶ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ኣቶ ጋትሉክ ቱት ከምዚ ክብሉ መሊሶም።
‘ ናይ ጸጥታ ክፍተት ኣይነበረን ምኽንያቱ’ቲ ክልል እኩል ሓይሊ መኸላኸሊ ኣለዎ። እኹል ፈደራል ፖሊስ ኣሎ። ናይ ክልልን ፍሉይ ሓይልን ናይቲ ከባቢ ስሩዕ ፖሊስ ሚሊሻን ኣለው ግን እቶም መርሌ ናብቲ ሓይሊ ዘለዎ ከባቢ ኣይኮነን ዝመጹ ናብ ጫካታትን ፈለጋትን ስለዝተዛወሩ’ዮም ክአትው ክኢሎም።’
ካብ ተጨውዮም ዝተወስዱ ቆልዑ ዛጊት 44 ቆልዑ ከምዝተመልሱን ካልኦት’ውን ንምምላስ ስራሕ ቀጺሉ’ሎ ክብሉ ኣቶ ጋትሉክ ቱት ሓቢሮም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5