ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትማሊ ኣብ ጋምቤላ 14 ሰባት ዝተቐተልሉ መጥቃዕቲ ዘስካሕክሕ`ዩ ኢሎም መሰኻኽር


ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ፡ ካብ`ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ምዃኖም፡ ካብ`ቲ መጥቃዕቲ ድሒና ዝበሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። እቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ድማ ሓደ ኢትዮጵያዊ መራሒ መኪና ንኽልተ ስደተኛታት ምስገጨወ ምዃኑ ይገልጹ።

እቶም ዝተቐትሉ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ መጺኦም ኣብ`ቲ መዓስከር ዝሰርሑ ምዃኖም ተገሊጹ`ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት፡ ብዛዕባ`ቲ ኹነታት ዝበልዎ የለን።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG