ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተጨውዩ ህጻናት ንምምላስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደቡብ ሱዳን ምእታው ተፈሊጡ


ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምእታው ነቶም ካብ ክልል ጋንቤላ ዝተጨውዩ 100 ቆልዑ ኣለውዎ ንዝተባህሉ ቁሸታት ከምዝከበቡ ተፈሊጡ።

እቶም ቆልዑ ነገድ መርሌ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዕጡቓት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘጥቕዕሉ እዋን’ዮም ተወሲዶም። ኣብቲ መጥቓዕትታት ልዕሊ 200 ሰባት’ውን ተቀቲሎም’ዮም።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይተሓባበር’ለኹ ክብል ኣፍሊጡ። ተተካኢ ሚኒስትር ወጻኢ ፒተር ባሻር ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣብቲ ናይ ዓርቢ መጥቓዕቲ ኣይተኻፈለን ኢሎም’ለው።

ኣመሓዳሪ’ቲ ነገድ መርሌ ዝነብርሉ ክፍለ-ግዝኣት ቦማ ባባ መዳን ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ተዋጋእቲ ኮብራ ተባሂሉ ናይ ዝጽዋዕ ጉጅለ ሚሊሽያ’ቲ ከባቢ ነበር’ዮም ክብሉ ኣፍሊጦም’ለው።

ደባይ ተዋጋእቲ ኮብራ ካብ 2011-2013 ዓ.ም.ፈ ኣንጻር መንግስቲ ደቡብ ዓሚጾም ዝነበሩ’ዩም።

መራሒ’ቲ ናይ ሽዑ ዓሚጹ ዝነበረ ሓይሊ ደቪድ ያዩ ግን ነቲ ክሲ ኣሉታ ሂቦምሉ’ለው። እቶም ተጠርጠርቲ በቲ ኣመሓዳሪ ዝተዓጥቑ ሚሊሻያ’ዮም ክብሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም’ለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዝተጨውዩ ህጻናት ንምምላስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደቡብ ሱዳን ምእታው ተፈሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:13 0:00

XS
SM
MD
LG