ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጭፍጨፋ ጋምቤላ፡ ኣተኣላልያ ሓለዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይንቀፍ


ጋምበላ ክልል
ጋምበላ ክልል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ዝሰገሩ ዝበሎም ዕጡቓት ዓሌት ሙረይ ንምህዳን ክሳብ ዶብ ሰገር ዝበጽሕ ዳህሳስ ከምዝገብር ኣፍሊጡ`ዩ።

ብዛዕብኡ መግለጺ ዘይሃበ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ብወገኑ፡ ሕቶ ቐሪብሉ`ውን ካብ ምምላስ ተቖጢቡ`ሎ። እንተኾነ፡ ኣብ ዝመጻ መዓልታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ልኡኽ ከምዝሰድድ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምንጭታት ጋምቤላ ብወገኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓሌታት ኣኝዋክን ንዌርን ዕጥቆም ስለዝፍትሖም፡ ንመጥቃዕቲ ሱዳናውያን ከምዝተቓልዑ ክገልጹ ኸለዉ፡ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ዩኒሰፍን ድማ ነቲ ቕትለት ብምኹናን፡ እቶም ተጨውዮም ዝተባህሉ 100 ዝኾኑ ሕጻናት ብቕልጡፍ ክምለሱ ተማሕጺኖም ኣለዉ፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:33 0:00

XS
SM
MD
LG