ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ጋምቤላ ዝተፈጸመ ህውከት ይኹንን


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታ ጃዊ ተፈጺሙ ንዝበሎ ህውከት ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኾኒኑ።

እቲ ናይ ሕ/ሃ ትካል ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ዩ

ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት (UNHCR) ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ዘጉሂ'ዩ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ንዝሞትዎም ወገናት ድማ ዝተሰምዓና ሓዘን ንገልጽ ኢሉ'ሎ።

ኹሎም ወገናት ነቲ ኩነታት ካብ ዘጋድድ ተግባር ክቑጠቡ'ውን ተላብዩ።

ኣብ ጥቃ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ጃዊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ንጹሃት ዜጋታት ጨኻነ ብዝተመልኦ ኩነታት ምቅታሎም መሰኻከር ይገልጹ።

መግለጺ'ቲ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ናብ ዝርዝር ጉዳያት ካብ ምእታው ተቆጢቡ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ጋምቤላ ዝተፈጸመ ህውከት ይኹንን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:50 0:00

XS
SM
MD
LG