ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጋምቤላ ንዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒኑ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማሕበር ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት (ሰመጉ) ነቲ ኣብ ጋምቤላ ዝተፈጸመ ቅትለት ዜጋታት ብምውጋዝ መንግስቲ እኹል ሓለዋ ከኻይድ ኔርዎ ኢሉ።

ካብ ደቡብ ሱዳን መጺኦም ዝተባህሉ ካብ ዓሌት መርሌ ዝኾኑ ዕጡቃት ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝቐተሉን ልዕሊ 100 ህጻናት ተጨውዮም ከምዝተወሰዱ ተገሊጹ’ሎ።

ሰመጉ ኣብቲ መግለጺኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሂወት ሰብን ንብረትን እኹል ሓለዋ ኣይገበረን ይብል። ኣቶ ብዙኣየሁ ወንድሙ ኣቦ-መንበር’ቲ ጉጅለን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል’ዮም።

ንሶም ‘መንግስቲ ኣቐዲሙ እቲ ሓደጋ ከየጋጥም ክጥንቐቕ ኔርዎ። ኣብቲ ኸባቢ ንዝነበሩ ዜጋታት ዕጥቆም ከምዝፈትሑ ምእዛዙ ነቲ መጥቓዕቲ ኣቓሊዕዎም’ዩ። ድሕሪ’ቲ መጥቓዕቲ ብመንግስቲ ዝካየድ ዘሎ’ውን መንግስቲ ሓላፍነቱ ይስከም ከምዘሎ ዘመልክት ኣይኮነን’ይብሉ።

እቲ ግጭት ንነዊሕ ጊዜ ክካየድ ዝጸንሐ ኮይኑ ሰራዊት ምኽልኻል ቀልጢፉ ኣብቲ ቦታ ዘይምብጽሑ’ውን ካልእ ሕቶ’ዩ ይብል ሰመጉ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቀስ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት እቶም ህጻናት ዝርኸብዎም ካብ ጋምቤላ ዝተጨወዩ ሰባት’ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ከምዝኣምን ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጋምቤላ ንዝተፈጸመ ቅትለት ኮኒኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:24 0:00

XS
SM
MD
LG