ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውጺኢት መባእታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ኣሪዞና፡ዩታን ኣይደሆን


ዶናልድ ትራፕ (ጸጋም) ቴድ ክሩዝ (የማን)
ዶናልድ ትራፕ (ጸጋም) ቴድ ክሩዝ (የማን)

ዲታ ዶናልድ ትራፕን ሰነተር ክፍለ-ግዝአት ቴክሳስ ቴድ ክሩዝ ንውጽኢት’ቲ ትማሊ ኣብ ሰለስተ ክፍለ-ግዝኣታት ዝተካየደ መባእታዊ ምርጫ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ ብማዕረ ዝተማቐሉ ኽኾኑ ከለው ካብ ወገን ዲሞክራት ድማ ሰነተር ክፍለ-ግዝኣት ቨርሞንት በርኒ ሳንደርስ ኣብ ክልተ ክፍለ-ግዝኣታት ተዓዊቶም።

ኣብታ ምስ ሜክሲኮ ትዳወብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና ዶናልድ ትራንፕ ድምጺ ኩሎም 58 ወከልቲ ብምርኻብ ዝተዓወቱ ኽኮኑ ኸለው ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ዩታ ድማ ሰነተር ቴድ ክሩዝ ድምጺ ኩሎም 40 ወከልቲ ብምርኻብ ተዓዊቶም። ካብ ፓርቲ ሪፖብሊካን ሳልሳይ ተወዳዳሪ ዝኾኑ ኣመሓዳሪ ኦሃዮ ጆን ካሲች ኣብ ክልቲኡ ክፍለ-ግዝኣታት ኣዕጋቢ ድምጺ ኣይረኸቡን።

ሂላሪ ክሊንተን
ሂላሪ ክሊንተን

​ብተመሳሳሊ ካብ ዲሞክራትስ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ኣይደሆን ዩታን ድምጺ 57 ወከልቲ ብምርኻብ ዝተዓወቱ ኽኮኑ ከለው ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ነበር ሂላሪ ክሊንተን ድማ ድምጺ 51 ወከልቲ ብምርኻብ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣሪዞና ተዓዊተን። ሽሕ’ዃ ኣብ ክልተ ክፍለ-ግዝኣታት ይተዓወቱ በርኒ ሳንደርስ ንሂላሪ ክሊንተን ከርክቡ ገና ብዙሕ ይተርፎም ‘ዩ ።

ኣብ ፓርቲ ሪፖብሊካን ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ንምርቋሕ ተወዳደርቲ ድምጺ 1,237 ወከልቲ ክረክቡ ኣለዎም፡ ዶናልድ ትራንፕ ድማ ክሳብ ሕጂ 60 ሚእታዊት’ዚ ድምጺ ማለት 730 ወከልቲ፡ ቴድ ክሩዝ ድማ 465 ወከልቲ፡ ጆን ካሲች ድማ 143 ወከልቲ ረኺቦም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ካብ ፓርቲ ደሞክራቲክ ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ንምርቋሕ፡ ተወዳደርቲ ድምጺ 2,382 ወከልቲ ክረክቡ ኣለዎም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሂላሪ ክሊንተን 70 ሚእታዊት ናይዚ ዘድልይ ቁጽሪ ወከልቲ ማለት 1,681 ወከልቲ ዝረከባ ክኾና ከለዋ ተቐናቐኒአን በርኒ ሳንደርስ ድማ 927 ድምጺ ወከልቲ ረኺቦም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ውጺኢት መባእታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ኣሪዞና፡ዩታን ኣይደሆን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:57 0:00

XS
SM
MD
LG