ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠበቓ ኢሚግረሽን ኣምሃ ሃብተማርያም ንመስርሕ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ይግምግም


ኣምሃ ሃብተማርያም
ኣምሃ ሃብተማርያም

ትማሊ ሶሉስ ዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ፡ ነቶም ከካብ ፓርቲታቶም ዝመርሑ ዘለዉ ዶናልድ ትሩምፕን ሂላሪ ክሊንተንን ዓቢይ ዓወት`ዩ ኔሩ። ሪፓብሊካን ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ፍሎሪዳ፡ ኖርዝ ኮረላይናን ኢሎኖይን፡ ምናልባት`ውን ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሚዙሪ ተዓዊቱ`ሎ። ኣብ`ታ ኣገዳሲት ትብሃል ኦሃዮ፡ ጆን ካሲች እንተዘይዕወት፡ ዳርጋ ንፓርቲ ሪፓብሊካን ወኪሉ ንምርጫ ፕረዝደንት ዝርቛሕ ምዃኑ ርጉጽ ምኾነ ኔሩ።

ዓወታት ሂላሪ ክሊንተን`ውን ካብ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ንዘለዎ መሪሕነት ኣግፊሕዎ`ሎ።

ኣምሃ ሃብተማርያም፡ ናይ ሕጊ ምሁር ኮይኑ፡ ኣብ ጥብቅና ኢሚግረሽን የተኩር። ብዛዕባ ውጽኢት ምርጫ ትማሊ ሶሉስን ተተሓሓዚ ኣርእስትን ገምጋሙ ይህብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG