ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትኩረት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ምርጫ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዓመተ 2016 ይውስኽ


ብዝሒ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝነብሩ ኣፍሪካዊያን ዳያስፖራ ብዝወሰኸ ቁጽሪ ሓያልነት ድምጾም’ውን ብኡ ልክዕ እናዓበየ ይርከብ። ድምጺ ኣሜሪካ ንታሪኽ ክልተ ኣፍሪካዊ መቦቀል ዘለዎምን ኣብ 2016 ዓ.ም ዝካየድ ምርጫ ቀዳምነት ሂቦም ዝንቀሳቐሱን ንዝተፈላለዩ ሕጹያት ዝድግፉን ኣዘራሪቦምዎ ኣሎ።

ባካሪ ታንዲያ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ምርጫ ክሳተፍ እዚ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።ሰኔተር ባራክ ኦባማ ንፕሬዝዳንትነት ኣብ ዝተወዳደርሉ 2008 ዓ.ም.ፈ ንመጀመሪያ ግዜ ኣድሚጹ።

ኣብዛ ንሱ ታሪኻዊ ዓመት ኢሉ ዝጸውዓ፤ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣፍሪካዊት ኣሜሪካዊት ድምጸን ክህባ ከለዋ ዝነበረት ስምዒት ይዛረብ።እዘን ዓባይ ሰበይቲ መጎዓዚያ የብለንን፤ብእግረን ክኸዳ እውን ኣይክእላን እየን።ታንዲያ ምስ ካልኦት ወለንተኛታት ኮይኑ ድምጸን ንክህባ ሓዚሉ ናብ መውሃቢ ድምጺ ወሲዱወን።

ንሰን ሽዑ ከምዚ ኢለን። ‘ክብሪ ንኣምላኽ፣ክብሪ ንኣምላኽ እናበለት ትዝምር ነይራ።ዘደንቕን ተኣምርን እኮ እዩ ነይሩ።’

ታንዲያ ኣብ 1992 ዓ.ም.ፈ እዩ ብስደት ናብ ኣሜሪካ መጺኡ።ኣብ ሃገሩ ኣንጻር ዓሌታዊ ኣድልዎን ባርነትን ንምቅላስ ሓደገኛ ስለዝኾነ ኣብ 2004 ዓ.ም.ፈ ኣሜሪካዊ ዜጋ ኮይኑ።

ንሱ ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዶም ካብ ዝመጹ 1.8 ሚሊዮን ዝግመቱ ኣፍሪካዊያን ስደተኛታት ሓደ እዩ።ኣብ 2000 ዓ.ም.ፈ ምስ ዝነበረ ክነጻጸር ኸሎ ብዕጽፊ ወሲኹ’ሎ።

ታንዲያ ድምጹ ንዴሞክራት ይህብ።ምኽንያቱ እቲ ፓርቲ ንስደተኛታት ዝሰማማዕ ኣጀንዳ ስለዘለዎ እዩ ይብል።ኣብዚ ናይ ሎሚ ምርጫ እውን ምኩርትን ኣንደበተ ርትዕትን ኢሉ ንዝጸውዐን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ንዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን ከም ዝመርጽ ይገልጽ።

ካልእ ኣማንዳ ሉግ ዝተባህለት ናብ ኣሜሪካ ዝመጸትሉ እዋን ኣብዛ ሃገር ጽቡቕ ኩነታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ 1980ታት እዩ ነይሩ።

ኣብ 2004 ዓ.ም ዜጋ ዝኾነት ሉግ ንኩሎም ሪፓብሊካዊያን ፕሬዝዳንታዊ ሕጹያት ከምዘይትፈትዎም ትዛረብ።ኣብታ ሃገር ይዓቢ ዘሎ ጸረ-ስደተኛታት ኣተሓሳስባ ክውስኽ ዝገበሩ ንሳቶም እዮም ትብል።

ዋላ’ዃ ናይ ዴሞክራት ናይ መወዳእታ ሕጹይ ከምዝኾኑ ርገጸኛ እንተዘይኮነት እውን ንናይ ቬርሞንት ሰኔተር ፕሬዝዳንታዊ ሕጹይ በርኒ ሳንደርስ እያ ትድግፍ።ፖሊሲኦም ንሰራሕተኛ ክፋል ሕብረትሰብ ዝድግፍ እዩ ትብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ትኩረት ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ምርጫ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዓመተ 2016 ይውስኽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:22 0:00

XS
SM
MD
LG