ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራፕን ሂላሪ ክሊንተንን አብ ምርጫ ሕጹይ ተወዳዳሪ ንፕረዝደንት ኣሜሪካ ይመርሑ


ካብ ክልቲኡ ፓርቲታት ኣሜሪካ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ሕጹይ ኮይኑ ዝስመይ ኣብቲ ጽባሕ ሶሉስ ኣብ 12 ክፍለ-ግዝኣታት ዝካየድ ቀዳማይ መድረኽ ምርጫ ክውሰን’ዩ።

ንህጹያት ተወዳደርቲ ፓርቲ ሪፖብሊካን 13 ቀዳማይ መድረክ ምርጫ ዝካየድ ኮይኑ እዚ ድማ ፍርቂ ካብቶም ኣስታት 1,237 ልዑኻት ነቲ ምርጫ ሕጹያት ኮይኖም ክዕወቱ ዝደልዩ ውሳኔ ዝህብ’ዩ።እቲ ዝዓበየ ምርጫ አብ ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ ዝካየድ ክከውን ከሎ 155 ካብቶም ልዑካን ክሳተፉ ትጽቢት ተጌሩሎም ኣሎ። ሕጹይ ተወዳዳሪ ፓርቲ ረፖብሊካን ቢልዮነር ዶናልድ ትራፕ ድማ ድምጺ ዝበዝሑ እዞም ልዑኻን ክረክብ ይክእል’የ ይብሉ’ለው።

ሕጹያት ተወዳደርቲ ዶናልድ ትራፕን ቴድ ክሩዝን ዘለዎም መርገጺ አብ ዝተፈላለየ ፖሊሲ ተመሳሳሊ’ዃ እንተኾነ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ግን ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ መን እቲ ዝበለጸ ህጹይ ተወዳዳሪ’ዩ ኣብ ዝብል አብ ቆይቋ ተጸሚዶም ይርከቡ።

ብኻልእ ወገን ጸሓፊት ወጻኢ ጉዳያት ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን አብቲ ጽባሕ ሶሉስ ዝካየድ ምርጫ ኣብ መብዛሕትአን ክፍለ-ግዝኣታት ንዝዓበየት ቴክሳስ ወሲኻ ኽዕወታ ትጽቢት ተጌሩለን ዘሎ ክከውን ከሎ ቀንዲ ተቀናቃኒአን ሰነተር ቨርሞንት ዝኮኑ በርኒ ሳንደርስ ድማ ካብ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝኾኑ ደገፍቶም ድጋፍ ክረኽቡ አብ መሰረታዊ ዝኾነ ዘመተ ይርኸቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG