ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሪላንካ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ


ሓገግቲ ኣካል እታ ብቁጠባዊን ፖለቲካዊን ቀውሲ እትሕመስ ዘላ ስሪላንካ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝገበሩዎ ምርጫ ንቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ራኒል ዊክረመሲን ብዓብላሊ ድምጺ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክኸውን መሪጾም።

ንሽዱሽተ እብረ ቀዳማይ ሚንስተር እታ ሃገር ኰይኖም ዘገልገሉ ዊክረመሲን ብ134 ድምጺ ክስዕሩ እንከለዉ መወዳደርቶም ድማ 82 ድምጺ ምርካቦም ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብታ ሃገር ሃዲሞም ንዝወጹ ፕረዚደንት ነበር ጎታባያ ራጃፓስካ ዝትክኡ ዘለዉ ምሩጽ ፕረዚደንት ዊክረመሲን ኣካል’ቲ ዝቐደመ ምምሕዳር ምንባሮም በቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ሓያሎ ወገናት ፍቱው ዘይምዃኖም እቲ ዜና ይጠቅስ። ድሮ’ውን ናይ ግዜያዊ ፕረዚደንት መዝነት ሒዞም ዝጸንሑ ዊክረመሲን ግን ቅድሚ ሕጂ፡ ብሕልፊ እኳ ምስ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ኣብ ዝነበረ ቍጠባ፡ሓዘል ክርክር ግን ኣወንታዊ ተራ ምጽዋቶም ይጥቀስ።

XS
SM
MD
LG