ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሪላንካ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣዊጃ


ተተካኢ ፕረዚደንት ስሪላንካ ራኒል ዊክረወሰንግህ ኣባላት ባይቶእታ ሃገር ሓድሽ ፕረዚደንት ንምምራጽ ቅድሚ ምእካቦም ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣዊጆም።

እታ ደሴታዊት ሃገር ኣብዚ እዋን ኣብ ቅልውላው ቁጠባዊን ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋእንእያ ትርከብ።

ትማሊ ሰንበት ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣወጀ ንረብሓ ህዝባዊ ድሕነትን ቀረባትን ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ብቀጻሊ ምቅራቡ ንምርግጋጽእዩ ኢሉእሎ።

ራኒል ዊከረወሰንግህ። ተተካኢ ፕረዚደንት ኮይኖም ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ ድሕሪ ፕረዚደንትእታ ሃገር ብሓሙስ ካብ ስልጣኖም ምልቃቆምእዩ። ሓደ ካብቶም ፕረዚደንት ንምዃን ዝወዳደሩ ከምዝኾኑ ኸኣ ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG