ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ውድባት ስሪላንካ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ምዝርራቦም ሓቢሮም


ኣብ ዋና ከተማ ስሪላንካ ንፕረዚዳንት ጎታባያ ራጃፓክሳን ቀዳማይ ሚንስትር ራኒ ዊከርመሲንገን ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ዘገደደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፅልውኡ ቀፂሉ ኣሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ሎሚ ሰኑይ ናይ ስግግር መንግስቲ ምስተመስረተ ኩሎም ኣባላት ካብነ ካብ ስልጣኖም ከምዝወርዱ ሓቢሮም ኣለው።

ተቃወምቲ ሰልፍታት'ታ ሃገር ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ንምዝርራብ ትማሊ ሰንበት ተኣኪቦም ነይሮም።እቲ ኣኼባ እቶም ፕረዚዳንትን ቀዳማይ ሚንስትርን ካብ ስልጣኖም ከምዝወርዱ ምስ ገለፁ እዩ ተኻይዱ።ተቓወምቲ ስሪላንካ እቶም ፕረዚዳንትን ቀዳማይ ሚንስትርን ካብ ኣብያተ ፅሕፈቶም ክሳብ ዝወፁ ብሓይሊ ካብ ዝወረሩዎም:እቶም ሰብ መዚ ካብ መዝነቶም ክሳብ ዝወርዱ ድማ ካብቲ ተቆጻጺሮምዎ ዘለዎ መንበሪ ኣብይቲ እቶም ሰበ ስልጣን ከምዘይወጹ ይሕብሩ ኣለው።

ኣሽሓት ሰልፈኛታት ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ንክልቲኦም መንበሪታት ብምውራር ንናይቶም ፕረዚዳንት መንበሪ ገዛ ኣዕንዮም ናይቶም ቀዳማይ ሚንስትር ድማ ብሓዊ ኣንዲዶም። ስዒቡ እቶም ፕረዚዳንት 13 ሓምለ ማለት እውን ድሕሪ ፅባሕ ካብ ስልጣኖም ከምዝወርዱ ገሊፆም።እቶም ተቓወምቲ ግን ብዘይውዓል ሕደር ክፍፀም ይሓቱ።

ኣብቲ ዕግርግር ዓሰርተታት ሰባት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ስሪ ላንካ ሕፅረት ነዳዲን ዝለዓለ ዝቕባበን ዋጋ መግቢ ሰማይ ምስ ዓረገ ተቓውሞ እናንሃረ መፂኡ።ናይቲ ህዝቢ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ፕረዚዳንትን ናይ መንግስቲ ቁልፊ ስልጣናት ዝሓዙ ኣባላት ስድርኦምን ዘቕንዐ እዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG