ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሪላንካ ሓድሽ ፕረዚደንት ዝመጽእ ሰሙን ከምትምዝዝ ተገሊጹ


ቀ/ሚ ስሪላንካ ራኒ ዊክረምሲንግ፣ ብዋና ዳኛ’ታ ሃገር፣ ጊዚያዊ ፕረዚደንት ንክኾኑ ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ዊክረምሲንግ፣ ነቶም ስልጣኖም ኣረኪቦም ካብ ሲጋፖር ዝወጹ ፕረዚደንት ጎታባየ ራያፕክሳ ዝትክእ መራሒ ክሳብ ብፓርላማ ዝምረጽ ንስሪላንካ ክመርሑ እዮም።

ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ስሪላንካ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ደጊም ብመሰረት ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ምምራጽ ገጽና ክነምርሕ ኢና" ኢሎም።

ኣብ ደገ’ቲ ፓርላማ ታሕጓሶም ዝገለጹ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ጸባን ሩዝን ንሰባት ክዕድሉ ከምዝዋዓሉ’ውን ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG