ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ናብ ዝኸፍአ ህልቂት ቅድሚ ምምዕባሉ ንምብዳህ ጻዊዒት ቀሪቡ


ኣካያዲት ስራሕ ለም-ለኸ ትካል ህጻናት ኣድሕን( Save the Children) ሄለ ቶርኒንግ ሽሚድ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምብጻሕ
ኣካያዲት ስራሕ ለም-ለኸ ትካል ህጻናት ኣድሕን( Save the Children) ሄለ ቶርኒንግ ሽሚድ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምብጻሕ

ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ዘይተራእየ’ዩ ዝተባህለ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ ኣስታት 6 ሚሊዮን ህጻናት ሕጽረት መግቢ ኣጋጢምዎም ኣሎ ክብል ዓለም-ለኸ ትካል ህጻናት ኣድሕን( Save the Children) ኣፍሊጡ።

ብደርቂ ኣብ ዝተጠቕዑ ቦታታት በጺሐን ነቲ ኩነታት ዝተዓዘባ ናይቲ ትካል ኣካያዲት ስራሕ ሄለ ቶርኒንግ ሽሚድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ኣብቲ ብደርቂ ዝተጠቕዓ ቦታታት ዝነብር ህዝቢ መግብን ማይ ንምርኻብ ካብ ቤት ንብረቶም ይፈናቐሉ’ለው ክብላ ሓቢረን።

ኣካያዲት ስራሕ’ቲ ትካል ብተወሳኺ ብፍላይ ህጻናት በቲ ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ንዝኸፍአ ስቃይን ብሕጽረት ጹሩይ ዝስተ ማይ ንዝመጹ ሕማማት ከይቓልዑ ዓለም-ለኸ ማህበረሰብ ህጹጽ ግብረ-መልሲ ክህብ ይግባእ ኢለን።

ኣብ ዓመተ 2016 ዓ.ም.ፈ ጥራይ ፍርቂ ሚሊዮን ካብ ህጻናት ኢትዮጵያ ንዝከፍአ ናይ መግቢ ሕጽረትን ምምሳን ኣካላትን ተቃሊዖም ዝበላ ኣካያዲት ስራሕ ዓለም-ለኸ ትካል ህጻናት ኣድሕን ቁጽሪ እዞም ነዚ ሓደጋ ዝተቓልዑ ህጻናት መታን ከይወስኽ እቲ ኩነታት ናብ ዝከፍአ ደረጃ ከይማዕበለ ኸሎ ዓለም-ለኸ ማህበረሰብ ህጹጽ መልሲ ክህብ ይግባእ ክብላ ጸዊዓን።

‘ ጻዊዕትና ዓለም-ለኸ ማህበረሰብ ህጹጽ ምላሽ ክህብ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ዝከአሎ ጻዕሪ የካይድ’ሎ። ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ነዚ መሰል ሓደጋ ዝውዕል ገንዘብ ዝተሰልዓ’ዃ እንተኾነ እቲ ኩነታት ዝኸፍአን ዝሓያለን ብምዃኑ ብሓገዝ መንግስቲ ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ልዕሊ 10 ሚሊዮን ዝከውን ህዝቢ ንዝኸፍአ ሓደጋ ደርቂ ተቃሊዑ’ሎ።’

ንሰን ብምቅጻል ቅልጡፍ ምላሽ እንተሂብና ህልቂት ህዝቢ ከነወግድ ንኽእል’ኢና።ነዚ ሓደጋ ክንኸላከሎ ዕድል ኣለና፡ እቲ ሃንደበት ዘጋጠመ ሓደጋ ደርቂ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ቅድሚ ምምዕባሉ ህልቂት ህዝቢ ቅድሚ ምግጣሙ ክንከላከሎ ንኽእል ኢና።እንተኾነ ግን ነዚ ንምትግባር ዘድልይ ተግባራዊ ስጉምቲ ሕጂ ከንጅምሮ ኣለና ይብላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG