ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቒ ንዝተጠቕዑ ኣብ ልዕሊ ዝወሃብ ረድኤት ኣድልዎ ይፍጸም ኣሎ ይብል ኢዴፓ


ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ /ኢዴፓ/ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ኣብ ልዕሊ ዝወሃብ ረድኤት ኣድልዎ ይፍጸም ኣሎ ኢሉ።ኣብ ኦሮሚያ ዝተለዓለ ዕግርግር ንምፍታሕ መንግስቲ ዝወስዶም ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብህጹጽ ደው ከብሎን ንዝበጸሐ ጉድኣት ዘጻሪ ገለልተኛ ኣካል ክጣየስን ጸዊዑ’ሎ።

ኢዴፓ ትማሊ ሓሙስ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ድርቅን ናይ ኦሮሚያ ዕግርግን ዝጠመተ እዩ።

እቲ መግለጺ መንግስቲ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ወገናት ረድኤት ክህብ ከሎ ግቡእ ኽትትል ክገብርን ካብ ኣድልዎ ነጻ ምዃኑ ከረጋግጽ ይጽውዕ ።

ንድምጺ ኣሜሪካ መግለጺ ዝሃቡ ፈጻሚ ስራሕን ሓላፊ መጽናዕትን ምርምርን እቲ ፓርቲ ዝኾኑ ኣቶ ዋሲሁን ተስፋየ ነቲ ተፈጺሙ ዝበልዎ ኣድልዎ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

‘ዘካየድናዮ ምጽራይን ንሰባት ሓቲትናን ዝተረዳእናዮ እቲ ረድኤት ብፍትሓዊነት ኣይከፋፈልን ዘሎ።ንኣብነት ኣብ ቆቦ ኣነ ባዕለይ ኣብ ዝተረኸብኩሉ ኣብ ዘካየድናዮ ምጽራይ ዝውሃብ መጠን ረድኤት ውሕድ ኮይኑ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ከምዘይከፋፈል ገሊጾምልና እዮም።መንግስቲ ፖለቲካዊ መርገጺን ኣመለኻኽታን ከይፈለየ ንኩሎም ተሓገዝቲ ብማዕረ ከከፋፍል ኣለዎ።’

እቲ ዝቐርብ ሓገዝ ውሱን ብምዃኑ ናይቲ ከባቢ ኣመሓደርቲ ብቕርበት ወይ ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽታ ቀዳምነት ዝህቡ ንዝፈልጡዎም ሰባት እዮም ኢሎም ኣቶ ዋሲሁን።ዝመጸ ረድኤት ኣዚዩ ውሑድ ስለዝኾነ ኣብ ዝቕጽል ዙር ረድኤት ክመጽእ ከሎ ክንህበኩም ኢና ከምዝብሉዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ ይብሉ ወሲኾም።

ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፖለቲካዊ ፓርትታት ከምዚ ዝበለ ኣድልዎ ክድገም ከምዘይብሉ ተዘራሪቦምሉ ኣለው እውን ኢሎም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተለዓል ቅልውላው ንምፍታሕ መንግስቲ ዝወስዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ደው ከብሎ፣ህይወቶም ብዛዕባ ዝስኣኑ ሰባት ብገለልተኛ ኣካል ክጻረይን መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ወገናት ሓቀኛ ዝርርብ ከካይድን ኣቶ ዋሲሁን ጸዊዖም።

ብዝኾነ ወገን ይፈጸም ብዘየገድስ ዘርእን ሃይማኖትን ዒላማ ዝገበረ መጥቓዕቲ፣ኣብ

ልዕሊ ንብረት ሰብ ሃብትን መንግስትን ዝፍጸም መጥቓዕቲ ከምዝቃወም ኢዴፓ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG