ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሰስ ኣብ ሜክሲኮ ዑደት የኻይዱ'ለው


ካቶሊካዊ ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሰስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ሜክሲኮ ሜክሲኮ ሲቲ ኣስታት 300 ሺሕ ዝኾኑ ኣመንቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ክፉት ሜዳ ቅዳሴ ድሕሪ ምክያድ ሎሚ ናብ ሓንቲ ቺያፒስ ዝተባህለት ብድኽነት ዝተሓመሰት ደቡባዊት ግዝኣት'ቲ ሃገር በጺሖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሰስ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ንዝተአከቡ ኣሽሓት ሜክሲካዊያን ደቀባት'ውን ቅዳሴ ኣካይዶምሎም።

ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ድኽነትን ሕሰምን ስደትን ትኹረት ሂቦም ድሕሪ ምዝራብ ቋንቋታት ደቀባት ኣብ ካቶሊካዊ ቅዳሴታት አብ ጠቕሚ ከውዕል መምርሒ ሂቦም።

XS
SM
MD
LG