ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ምሸት ዋሽንግተን ዲሲ አትዮም


ጳጳስ ፍራንሲስ ሎሚ ሰሉስ ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣትዮም።

ፕረዚደንት በራክ ኦባማን ባዓልቲ ቤቶምን ከምኡውን ምክትል ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ባዓልቲ ቤቶምን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣንድሪው ኤርፎርስ ተረኺቦም ተቀቢሎምዎም።

ጳጳስ ፍራንሰስ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ኩባ ምብጻሕ’ዮም ናብ አሜሪካ ዘምርሑ ዘለዉ፡ እዚ ሎሚ ናብ አሜሪካ ዘካይድዎ ምብጻሕ ናይ መጀመርታ ክከውን ከሎ ብዙሓት ህዝቢ ክቅበልዎ ተገሚቱ’ ሎ። ብካልእ ወገን ንነዊሕ እዋን አሜሪካ ብትኽተሎ ፖሊሲ ክነቅፍዋ ዝጸንሑ ጳጳስ ፍራንሰስ እዚ ናይ ሎሚ ምብጻሕ በዳሂ ‘ዩ ዝብሊ ወገናት’ውን አለዉ።.

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሎሚ ምሸት ዋሽንግተን አትዮም 2'27''
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00

XS
SM
MD
LG