ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ጋምቤላ ተረጋጊኡ’ዩ ይብሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል


ፋይል
ፋይል

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ክልል ጋምቤላ ብነገድ ሙርሌ ተፈጢሩ ዝነበረ መጥቓዕቲ ብዙሕ ህይወት’ዩ ጠፊኡ ፡ እንተኾነ ብድሕሪኡ ዘሎ ኩነታት ተረጋጊኡ’ዩ ይብሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ኣቶ ጋትሉክ ቱት።

ናይቲ ክልል ኩነታት ሰላም ብዝተሰርሐ ስራሓት ኣብ ጽቡቕ ኩነታትቱ ዘሎ ብፍላይ ንሕና ክልላዊ መንግስቲ ምስ ፈደራል ኣካል ብዙሕ ስራሕ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና። ናይ ህዝቢ ምምይይጥ ጌርና ንህዝቢ ንምርግጋእ፡ ሕጂ ህዝቢ ኣብ ዝተረጋገአ ኩነታትዩ ዘሎ ዝተመዛበሉንውን ይምለሱለው።

ክፍተት ጸጥታ ስለዝነበረዩ እዚ መጥቓዕትታት ዝወረደ ዝብል ኣዘራርባ ኔሮም እዚ በቲ ህዝቢዶ ተላዒሉ ኔሩ ንዝብል ሕቶ ኣመሓዳሪቲ ክልል ኣቶ ጋትሉክ ቱት ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

ናይ ጸጥታ ክፍተት ኣይነበረን ምኽንያቱቲ ክልል እኩል ሓይሊ መኸላኸሊ ኣለዎ። እኹል ፈደራል ፖሊስ ኣሎ። ናይ ክልልን ፍሉይ ሓይልን ናይቲ ከባቢ ስሩዕ ፖሊስ ሚሊሻን ኣለው ግን እቶም መርሌ ናብቲ ሓይሊ ዘለዎ ከባቢ ኣይኮነን ዝመጹ ናብ ጫካታትን ፈለጋትን ስለዝተዛወሩዮም ክአትው ክኢሎም።

ካብ ተጨውዮም ዝተወስዱ ቆልዑ ዛጊት 44 ቆልዑ ከምዝተመልሱን ካልኦትውን ንምምላስ ስራሕ ቀጺሉሎ ክብሉ ኣቶ ጋትሉክ ቱት ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኩነታት ጋምቤላ ተረጋጊኡ’ዩ ይብሉ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:22 0:00

XS
SM
MD
LG