ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ሰብአዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮምያ ብዘካየዶ ምርመራ ልዕሊ 100 ሰባት ምሟቶምን ብዙሓት ምእሳሮምን አፍሊጡ


ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝተወሰኑ ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ልዕሊ 100 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐትሉ፣ልዕሊ 40 ሰባት ብጥይት ከምዝቖሰሉን ብዙሓት ከምዝተኣስሩን ሎሚ ኣፍሊጡ።እቲ ጉዳይ ብገለልተኛ ወገን ንክጻረን በደለኛታት ብሕጊ ንክሕተቱ’ውን ንመንግስቲ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት/ሰመጉ/ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸምዎ ዘስካሕክሕ ቕትለት፣ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፣መውቃዕቲ፣ምፍርራሕን ምክልባትን ብህጹጽ ደው ከብልዎ ይጽውዕ።

ሰመጉ ካብ 342 ወረዳታት ክልል ኦሮሚያ ኣብ 33 ወረዳታት ጥራሕ ካብ 2 ሕዳር 2008 ዓ/ም ክሳብ 12 ለካቲት 2008 ዓ/ም ምርመራ ከምዝገበረ ይገልጽ።ኣብ ውሽጢ እዞም ኣዋርሕ 103 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ተቐቲሎም ኣለው ይብል።

ካብ መንጎ ዝተቐትሉ ናይቶም 35 ብጥይት ናይ ዝቖሰሉን ከቢድ ጉድኣት ናይ ዝበጽሖምን 57 ሰባት ዝርዝር ስም ምስ ዝተወሰኑ ፎቶግራፋት ቀሪቡ’ሎ።

መስቀይትን መውቃዕትን ዝተፈጸሞም፣ብማእሰርቲ ዝተኸላበቱ፣ ሃለዋቶም ናይ ዘይፍለጥን ስም ዝርዝር 80 ሰባት እውን ሒዙ ወጺኡ’ሎ።እዚ ኣብ ውሱን እዋንን ቦታን ዝተኻየደ ምርመራ ነቲ ህልዊ ኩነታት ኣይገልጽን እውን ይብል።

ዳይረክተር ሰመጉ ኣቶ ብጽኣተ ተረፈ ብዛዕባ’ቲ ምርመራ ከምዚ ኢሎም።

‘ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ኦሮሚያ ተቓውሞ ተኻይዱን ኣብ ምክያድ ዝርከብን ስለዝኾነ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተቐትሉ፣ዝተጎድኡ፣ዝተኣስሩን ዝዓነው ንብረታትን ኣዚዩ ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግመት።ሰብ ሙያ ናብ ጉድኣት ዝበጽሖም ከባቢታት ተዘዋዊሮም ከምዘረጋገጽዎ ናይ ፖሊስን ሓይሊ ሰራዊትን ብበዝሒ ፈቖዶ ስለዘለው እቲ ህዝቢ ሓበሬታ ንምሃብ ኣብ ዝልዓለ ፍርሒ ይርከብ፤ንዝኾነ ይኹን ሰብ ንምእማን ተጸጊሙ ይርከብ።’

ዕጡቓት መንግስቲ ኣብ ኣምቦ፣ጀልዱን ኣብ ግንደ በረትን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ነበርቲ ከምዝገለጹሎምን እቶም መርመርቲ ዘዘራረቡዎም ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከምዝገለጹሎም ይገልጽ።ዕጡቓት መንግስቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ለይቲ ዘይሕጋዊ ናይ ገዛ ፍተሻ ከምዘካይዱ፣ኣብ እዋን ፍተሻ ዝረኽብዎ ንብረት ከምዝወስዱ፣ከቢድ ማህረምቲ ከምዝፍጽሙ ከምዘፈራርሑን ሰመጉ ገሊጹ’ሎ።

መንግስቲ ንዞም በደላት ትኹረት ክህብሉ ሰመጉ ሓቲቱ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ኦሮሚያ ንዝተፈጥረ ህውከትን ንዝበጸሐ ጥፍኣትን ይቕሬታ ምስ ሓተቱ ነቲ ተግባር ዝፈጸሙ ግን ካልኦት ሓይልታት እዮም ክብሉ ኸሲሶም።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን መንግስቲ ክሳብ ሎሚ ንሕቶ ህዝቢ ዝሃቦ መልሲ ግብኡን እኹልን እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን ብምግላጽ ክውሰዱ ኣለዎም ዝበሎም ስጉምትታት ዘርዚሩ’ሎ።ብምኽንያት ሰላማዊ ሰልፊ ዝተኣስሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብህጹጽ ንክፍትሑን ብተማሃሮን ህዝብን ንዝመጽእ ዝልዓሉ ሰላማዊ ሰልፍታትን ሕቶታትን መንግስቲ ብመሰረት ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ሰላማዊ ምላሽ ንክህብን ጸዊዑ’ሎ።

ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ዕግርግር ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ 270 ሰባት ምብጽሑ ገሊጹ ነይሩ። ብወገን መንግስቲ ዝተዋሃበ ቁጽሪ ግን የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG