- By ዊንታ ኪዳነ
ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2018 ሎሚ ሃገራውያን ጋንታታት ስዑድ ዓረብን የአንጋዲት ሃገር ሩስያን ብዝገብርኦ ግጥም ክፍልም እዩ።
ካብ 1930 ተዓወቲ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ምስ ዝኾና ሃገራት ክትላለዩ ስዒቡ ንዘሎ ቪድዮ ተመልከቱ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ትፈልጡ ዶ ካብ 1930 ኣትሒዙ ን 20 ግዜ ግጥማት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከምዝተኻየደ።
ካብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ኣትሒዙ ድማ ሾሞንተ ሃገራውያን ጋንታታት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክጭብጣ ክኢለን እየን።
ንሳተን ድማ:-
🏆🏆🏆🏆🏆 ብራዚል: 1958, 1962, 1970, 1994, 2002
🏆🏆🏆🏆 ጀርመን: 1954, 1974, 1990, 2014
🏆🏆🏆🏆 ኢጣልያ: 1934, 1938, 1982, 2006
🏆🏆 ኣርጀንቲና: 1978, 1986
🏆🏆 ኡራጋይ: 1930, 1950
🏆 ስጳኛ: 2010
🏆 ፈረንሳይ: 1998
🏆 እንግሊዝ: 1966
- By ዊንታ ኪዳነ
ትማሊ ረቡዕ 13 ሰነ: ፊፋ የአንገድቲ ዋንጫ ዓለም 2026 ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ማለት ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳን መክሲኮን ክኾና ወሲኑ።
ፊፋ ነዚ ዝወሰነ ብድምጺ ብልጫ ክኸውን እንከሎ: ኣብቲ ዝገበሮ ምርጫ ብሓባር ከአንግዳ ናብ ምርጫ ዝኣተዋ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ካብ ሞሮኮ ዓብላሊ ድምጺ ብምርካበን: ጉዕዞ ግጥማት ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም 2026 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካናዳን መክሲኮን ክኸውን ምውሳኑ ዘፍለጠ።
ኣባል ሃገራት ፊፋ 134 ብ 65 ዝኾነ ድምጺ ብልጫ ንሓባራዊ ምእንጋድ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ወሲኖም።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንምርጫ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ምእንጋድ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ከምዘሐጎሶም ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ኣፍሊጦም።
- By ዊንታ ኪዳነ
ኣብ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት ክህልዋ ከለዋ እዘን ጋንታታት እዚኣተን ድማ ኣብ ሸውዓተ ምድባት ተኸፊለን ናይ መጻረይ ግጥማተን ከካይዳ እየን።
ኣብ Group A
ኣብ Group A ማለት ኣብ ምድብ ሀ ዘለዋ ሃገራት የአንጋዲት ሃገር ሩስያ፤ ስዑድ ዓረብ፤ ግብጺ ከምኡውን ኡራጋይ ይርከባ።