19:41
26.6.2018
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ፈረንሳን ደኒማርክን 0 ብ 0 ተዛዚሙ።ይኹን ደአ እምበር ክልቲኣን ጋንታታት ናብ ዝቕጽል ዙር ዋንጫ ዓለም ሓሊፈን አለዋ።
ኣብ ግጥም ፔሩን ኣውስትራልያ 2 ብ 0 ዝተዛዘመ ኽከውን ከሎ እቲ ጸወታ ብፔሩ ዝተዓብለለ ኔሩ። ክልቲ ኣን ጋንታታት ፔሩን ኣውስትራልያን ናብ ዝቕጽል ዙር ኣይሓለፋን።
23:53
25.6.2018
ስዑዲ ዓረብ ዋላ’ኳ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ዘይትቕጽል እንተኾነት ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ግን ንግብጺ 2ብ 1 ስዒራታ’ላ።
ካብ ምድብ A ዝኾና ክልቲ ኣን ሃገራት ስዑዲ ዓረብ ሳልሳይቲ ደረጃ ክትሕዝ ከላ ግብጺ ድማ መወዳእታ ደራጃ ሒዛ’ላ።
18:41
25.6.2018
- By ዊንታ ኪዳነ
ሓያል ምትፍናን ዝጽበዮ ግጥም ምድብ Group D
ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ድሕሪ 3 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ዝተሳዕረትሉ ናይ ዋንጫ ዓለም ኣጋጣሚ እምበርከ ናብ ዝቕጽል ግጥማት ክትሰግር ድያ ዝብል ሕቶ ነፍስወከፍ ኣርጀንቲናዊ ጥራይ ዘይኮነ ሕቶ ነፍስወከፍ ኣፍቃሪ ስፖርት ኩዕሶ ኮይኑ'ሎ።
ናይጀርያን ኣርጀንቲናን ዝርከብኦ ምድብ Group D ሓደ ካብ ሰሓብቲ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ኮይኑ ይቕጽል።
ዝቕጽል ግጥም ኣርጀንቲና ምስ ናይጀርያ እዩ ክኸውን። ናይጀርያ ኣቐዲማ ብክሮሽያ 2 ብ 0 ተሳዒራ ምስ ኣይስላንድ ኣብ ዘካየደቶ ድማ 2 ብ 0 ብምዕዋታ ብሰለስተ ነጥቢ ኣብ ምድባ ድሕሪ ክሮሽያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።
ኣርጀንቲና ብወገና ምስ ኣይስላንድ 1 ብ 1 ዝኾነ ውጽኢት ማዕረ ተፈላልያ ምስ ብክሮሽያ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ 3 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ተሳዒራ። በዚ ድማ ኣርጀንቲና ብሓደ ነጥብን ሰለስተ ጎል ዕዳን ኣብ መወዳእታ ደረጃ ናይ ምድባ ትርከብ።
ኣይስላንድ ብወገና ምስ ኣርጀንቲና ብማዕረ ተፈላልያ ብናይጀርያ ድማ 2 ብ 0 ዝኾነ ውጽኢት ድሕሪ ምስዕራ፤ ብሓደ ነጥብን ክልተ ጎል ዕዳን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።
ክሮሽያ ድማ ንናይጀርያ 2 ብ 0 ንኣርጀንቲና 3 ብ 0 ብምስዓራ ብሽዱሽተ ነጥቢ ነቲ ምድባ ትመርሖ ኣላ።
ዝቕጽል ግጥማት ናይዚ ምድብ ኣገዳሲ ካብ ዝገብሮ ካብቲ ምድብ ካልአይቲ ኮይና መን ሓለፈት ዝግበር ቁርቁስ እዩ። ዛጊት ብዘይካ ክሮሽያ ውሑስ ናይ ምሕላፍ ነጥቢ ዝሓዘት የላን። እተን ካልኦት ኩለን ዘካይድኦ ግጥማተን ኣብ ዓወት ዝተሞርኮሰ ብምዃኑ ህልኽ ዝመልኦን ብርቱዕ ክኸውንን ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ።
ድሮ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣንጻር ክሮሽያ ብዝወረዶም ሰለስተ ብባዶ ስዕረት ተሰናቢዶም ምስ ኣሰልጣኒኦም ጆርጅ ሳምፓኦለ ርክብ ኣቋሪጾም ኣለው።
ጆርጅ ሳምፓኦለ ብወገኑ ድሕሪ'ቲ ብክሮሽያ ዘጋጠሞም ስዕረት ንጋዜጠኛታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሙሉእ ሓላፍነት ናይቲ ስዕረት ከምዝስከም'ዩ ኣፍሊጡ።