- By ዊንታ ኪዳነ
ቀንዲ ፍጻመታት ኣብ ግጥም ናይጀርያን ኣይስላንድን
ኣይስላንድ ብመገዲ ሲጉርድሰን ዝሰሓተታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ
ፋልመይቲ ሸቶ ሙሳ ኣሕመድ: ናይጀርያ 1 ኣይስላንድ 0
ካልአይቲ ሸቶ ሙሳ ኣሕመድ: ናይጀርያ 2 ኣይስላንድ 0
- By ዊንታ ኪዳነ
ሸቶታት ኣሕመድ ሙሳ ተስፋ ዋንጫ ዓለም ናይጀርያን ኣፍሪቃን ንቕድሚት የሰጉም
ብሱፐር ኢግልስ ትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ንመጋጥምታ ሃገራዊት ጋንታ ኣይስላንድ ብመገዲ ኣሕመድ ሙሳ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ተዓዋቲት ኮይና ኣላ።
ሙሳ ኣሕመድ ኣብ መበል 49 ደቒቕ ከምኡውን ኣብ ምበል 75 ደቒቕ ብዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ናይጀርያ ክትዕወት ዝኸኣለት ክትከውን እንከላ፤ ድሮ ሙሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሃገራዊ ጀግና ዝብል ቕጽል ተዋሂብዎ ኣሎ።
ኣብቲ ግጥም ሃገራዊት ጋንታ ኣይስላንድ ዋላኳ ፍጹም ቅላዕ ኣንጻር ናይጀርያ እንተረኸበት ናብ ሸቶ ክትቕይራ ብዘይምኽኣላ ንናይጀርያውያን ተወሳኺ ድፍኢት ብምግባር መጥቃዕትታቶም ከዛይዱን ናይ ምዕዋት መንፈሶም ከበርኹን ኣኽኢልዎምዩ።
ኣብ ምድባ ድሕሪ ክሮሽያ ብሰለስተ ነጥቢ ካልአይቲ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ናይጀርያ፤ ዝቕጽል ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ኣብ እተካይዶ ግጥማ ኣብ ዋንጫ ዓለም ናይ ምጽናሕን ምግላፍን ዕድላ ክፍለጥ እዩ።
እታ ዳርጋ ከምዘይነበረት ኮይና ትማሊ ሰለስተ ብ ባዶ ብክሮሽያ ተደብዲባ ዝወጸት ኣርጀንቲና ብወገና ንናይጀርያ ተተርኢሳ ናብ ዝቕጽል ግጣምት ዋንጫ ክትሓልፍ ኩሉ ዝከኣላ ክትገብር ምዃና ዘየጠራጥር እዩ።
- By ዊንታ ኪዳነ
እቲ ናይ ፈለማ ሸቶ ብምምዝጋብ ባብ ዓወት ብራዚል ኣብ ልዕሊ ኮስታሪካ ዘርሓወ ኮቲንሆ፤ ድሮ መድሕን ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።
ተጻወቲ ብራዚል ተደጋጋሚ ፈተነታት ብምግባር ብፍላይ ድሕሪ ሕረፍቲ ማዕጾ ሃገራዊት ጋንታ ኮስታሪካ እኳ እንተዃሕኩሑ; ብዘይካታ ናይ ኮቲንሆን ድሕሪ ኣብ ተወሳኺ ሰዓት ብመገዲ ነይማር ዝተመዝገበት ካልአይቲ ሸቶን ግን ከመዝግቡ ክቐንዖም ኣይተራእየን።
ኮቲንሆ ክንዲ ነይማር ኣይኹንምበር ብኹቱር ሓለዋ ተጻወቲ ኮስታሪካ ካብቶም ምንቅስቓስ ዝሰኣኑ ተጻወቲ ብራዚል ሓደ'ዩ ነይሩ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዝተዛዘመ ግጥም ብራዚልን ኮስታ ሪካን - ብራዚላዊ ኣጥቅዓይ ነይማር ንኮስታሪካ ካብ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝገለፈት ንዕኡ ፋልመይቲ ንብራዚል ድማ ካልአይቲ ዝኾነት ሸቶ ኣመዝጊቡ።
እታ ነይማር ዘመዝገባ ሸቶ ንዕኡ መበል 56 ኣብቲ ን 87 ግዜ ዘካየዶ ሃገራዊ ጸወታታት ከምዝኾነት ድማ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ግጥም ብራዚል ኣብ ልዕሊ ኮስታሪካ ክልተ ብባዶ ዝኾነ ውጽኢት እያ ተዓዊታ።