ሎሚ ዝተጻወታ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን እየን።
ፖርቱጋል ብክሪስያኖ ሮናልዶ አቢላ ኣብ መጀመርታ ደቓይቕ ጸወታ ሸቶ ብምምዝጋባ ጸወታ ብመሪሕነት ፖርቱጋል 1 ብ 0 ተዛዚሙ።
ሞሮኮ ተደጋጋሚ ፈተነ እንተኻየዱ’ዃ ሸቶ ምምዝጋብ ግን ኣይቀንዖምን።
ስለዝኾነ ድማ ሞሮኮ ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2018 ተሰናቢታ’ላ።
ፖርቱጋል ዝመጽእ ሶኑይ ምስ ኢራን ክትገጥም ከላ ሞሮኮ ንመጨረሽታ ጊዜ ምስ ስጳኛ ክትገጥም’ያ።
ግጥም ግብጺን ሩስያን
- By ዊንታ ኪዳነ
ሃገራዊት ጋንታ ሰነጋል ብመገዲ ምባየ ኒያንግ ካልአይትን መዐወቲትን ሸቶ ኣመዝጊባ ኣብ ልዕሊ ፖላንድ ክልተ ብ ሓደ ዝኾነ ውጽኢት ድሕሪ ምዕዋታ፤ እታ ብ ኒያንግ ዝተመዝገበት ሸቶ ሓንቲ ካብ ብሉጻት ሸቶታት ናይዚ ዋንጫ ዓለም 2018 ከምዝኾነት ይጥቀስ ኣሎ።
ኒያንግ ብውሁድ ቅንብር ካብ ተኸላኸልቲ ንዝሓለፈትሉ ኩዕሶ ንመስመር ምክልኻል ፖላንድ በንጢሱን ኣብ ሞንጎ ተኸላኸልትን ሓላው ልዳትን ሓሊፉ ብተዛነ ዘመዝገባ ሸቶ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኮይና ኣላ። ሓያሎ ተንተንቲ ስፖርት ድማ እቲ ኣብ ናይ ቋሕ ሰም ግዜ ዝተፈጥረ ውሁድ ምርድ ዳእ ሓለፍትን ተኸላኸልትን ሰነጋል ኣተኩሮም ዝተፈላለየ መግለጺታት የቕርቡ ኣለው።
ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰነጋል ኣልዩ ሲሰ ድሕሪ ምምዝጋብ ናይታ መዐወቲት ሸቶ ዘርኣዮ ናይ ታሕጓስ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ድሮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተቖንጪቡ እናተባዝሐ ይዝርጋሕ ኣሎ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ሰነጋል ኣልዩ ሲሰ እንኮ ጸሊም ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኮይኑ ምቕራቡ ብሰፊሑ ይጥቀስ ኣሎ።
ኣብ ናይ ፈለማ እግሩ ተዓዊቱ እታ ሃገራዊት ጋንታ ድማ ሙሉእ ነጥቢ ሒዛ ምውጽኣ ፡ ብዙሕ ዘይተገልጸሉ ተራ ኣፍሪቃውያን ኣሰልጠንቲ ሃገራውያን ጋንታታት ክጎልሕን ኣቓልቦ ክረክብን ጥራይ ዘይኮነ መዘራረቢ ኣርእስቲ ክኸውን ገይርዎ ይርከብ።
ሃገራዊት ጋንታ ሰነጋል ኣብቲ ኣንጻር ፖላንድ ዘካየደቶ ግጥም ክልተ ብ ሓደ ዝኾነ ውጽኢት ተዓዊታ እንኮ ሙሉእ ነጥቢ ኣብ ፈለማ ዝሓዘት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እውን በቒዓ ኣላ።
- By ዊንታ ኪዳነ
መክሲኮኣዊ ሎዛኖ ካብ ክለባት ፕሪመር ሊግ ኣተኩሮ ረኺቡ
እንኮ መዐወቲት ሸቶ ኣንጻር ጀርመን ብምምዝጋብ ሓበን ሃገራዊት ጋንታ መክሲኮ ዝኾነ ሂርቪንግ ሎዛኖ ድሮ ኣንፈቱ ናብ ክለባት ፕሪመር ሊግ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይጥቀስ ኣሎ።
ክለባት ሊቨርፑል: ኤቨርተን: ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን: ነዚ ወዲ 22 ዓመት ዝኾነ ናይ ክንፊ ብሉጽ ተጻዋታይ ሎዛኖ ዓይነን ኣንቢረናሉ ካብ ዘለዋ ክለባት እንግሊዝ እየን።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ መክሲኮ ጁዋን ካርሎስ ኦሶርዮ ብወገኑ: ንምስግ ጋር ሎዛኖ ተቓውሞ ከምዘይብሉ'ዩ ገሊጹ።
ሓንቲ ካብዘን ዝተጠቕሳ ክለባት እንግሊዝ ኣብ ምሽማት ሎዛኖ እንተቐኒዕዋ፡ ኣፍቀርቲ ስፖርት ተወሳኺ ብሉጽ ክእለት ናይዚ መንእሰይ ኣብ ግጥማት ፕሪመር ሊግ ክዕዘቡ ርሒብ ዕድል ክረኽቡ'ዮም።