- By ዊንታ ኪዳነ
ብራዚላዊ ነይማር ብዝወረዶ ማህሰይቲ ካብ ልምምድ ክቦክር ተገዲዱ
ብራዚላዊ ህቡብ ኣጥቅዓይን ሓደ ካብ ዓንዲ ሕቖታ ሃገራዊት ጋንታ ዝኾነን ነይማር: ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ግጥም ኣንጻር ስዊዘርላንድ ብዝወረዶ ማህሰይቲ የማነይቲ እግሩ: ሎሚ ካብ ሜዳ ልምምድ ክቦክር ከምዝተገደደ ተሓቢሩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ነይማር ሎሚ ን ፍርቂ ሰዓት ጥራይ ልምምድ ድሕሪ ምክያዱ ቃንዛ የማነይቲ እግሩ ስለዝበርተዖ ንጥንቃቐ ብዝብል ዝተዋህበ ምኽን ያት ካብ ልምምድ ከምዘቋረጸ ተገሊጹ።
እዚ ናይ ነይማር ምቁራጽ ልምምድ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኮነ መላእ ደገፍታ ስንባደ ፈጢሩ ኣሎ። ዝቕጽል ግጥም ብራዚል ምስ ደቡብ ኣመሪካዊት ኮስታ ሪካ ብምዃኑ ድማ ተወሳኺ ዓቢይ ሻቕሎት ኮይኑ ኣሎ።
ብራዚል ካብ መራሒት ናይቲ ምድብ ዝኾነት ሃገራዊት ጋንታ ሰርብያ ክልተ ነጥቢ ድሒራ ትርከብ። ብራዚል ናብ ዝቕጽል ዙር ክትሓልፍ እንተኾይኑ ፡ ምስ ኮስታሪካ ተካይዶ ግጥም ክትስዕር ኣገዳሲ ኮይኑዋሎ። ክት ስዕር ጥራይ ዘይኮነ ጸብለልታ ሸቶውን ከየድለያ ኣይተርፍን እዩ።
ብዙሕ ግዜ ብራዚል ዘይብሉ ወይድማ ብኣግኡ ዝተገለፈትሉ ዋንጫ ዓለም ሰሓብነቱ ከምዝጎድልዩ ዝጥቀስ።
- By ዊንታ ኪዳነ
ሃገራዊት ጋንታ ጃፓን ብወገና ንሃገራዊት ጋንታ ኮሎምብያ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ዝኾነ ክልተ ብ ሓደ ውጽኢት ክትዕወት ክኢላ ኣላ።
እዚ ዓወትዚ: ንጃፓን ኣብ ዝሓለፉ 18 ግጥማት ዋንጫ ዓለም: ሓንቲ ኤስያዊት ሃገር ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገር ትዕወት ዘላ ናይ ፈለማ ሃገራዊት ጋንታ ኮይና ክትጥቀስ ኣኽኢልዋ እዩ።
ብቐይሕ ካርድ ኣብቲ ግጥም ሓደ ተጻዋታይ ዝኸሰረት ኮሎምብያ: ነቲ ቐይሕ ካርድ ስዒቡ: ጃፓን ዝረኸበታ ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ሓደ ብባዶ ክትመርሕ ኣኽኢልዋ እዩ።
ኣብ ኣጋ ፍጻመ ድማ ካልአይቲ ሸቶ ብምድጋም መሪሕነታ ከተደልድልን: ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኮሎምብያ ድማ ሓደ እዋን ብምልከት ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ተሓፈርትን ተፈራሕትን ዝነበሩ ከምዘይነበሩ ኩዕሶ ጠፊኣቶም ኣብ ናይ ዓቕሊ ጽበት ዘይተወሃሃደ ፈተነታት ከካይዱን ተራእዮም።
ዋላዃ ሓንቲ ሸቶ ከምዝግቡ እንተኸኣሉ መሪሕነት ወይድማ ማዕረ ኮይኖም ክፍላለዩ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ስዕረት ተጎልቢቦም ካብ ሜዳ ክእለዩ ተገዲዶም እዮም።
- By ዊንታ ኪዳነ
ፈርኦን ዝብል መጸውዒ ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ምስ የአንጋዲት ዋንጫ ዓለም 2018 ሩስያ ገጢማ ብ 3 ዝኾነ 1 ውጽኢት ድሕሪ ምስዓራ፤ እታ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ገና ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ሩሓ ጠቕሊላ ናብ ሃገራ ትምለስ ዘላ ሃገር ኮይና ኣላ።
ግብጺ ኣቐዲማ 1 ብባዶ ዝኾነ ውጽኢት ብኡራጋይ ተሳዒራ ብምንባራ: እዚ ዳግማይ ስዕረት'ዚ ብሩስያ ተደሚሩ ፡ እታ ሓንቲ ካብ ዓቢ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ሃገር ግን ንግጥማት ዋንጫ ዓለም 2018 ብኣግኡ ትሰናበት ዘላ ክትከውን ክኢላ ኣላ።
ህቡብ ተሰላፊኣን ብቕዓቱ ከንጸባርቕ ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ መሓመድ ሳላሕ: ኣቐዲሙ ኣብ ግጥማት ፕሪመር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ክለቡ ሊቨርፑል ተሰሊፉ ይጻወት ኣብ ዝነበረሉ ብዝወረዶ ማህሰይቲ: ሃገራዊት ጋንታ ግብጺ ኣብ ናይ ፈለማ ግጥማ ኣንጻር ኡራጋይ ሓደ ብባዶ ዝኾነ ውጽኢት ክትስዓር እንከላ ኣይተሰለፈን። ኣብ ቦታ ተቐየርቲ ኮይኑ ጥራይ እዩ ተዓዛባይ ክኢሉ።
ግብጺ ምስ ሩስያ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ግን መሓመድ ሳላሕ ዋላኳ እንተተሰለፈ ነታ ሃገርዊት ጋንታ ካብ ከቢድ ስዕረት ከገላግላ ኣይከኣለን። እቲ ሰለስተ ብባዶ ዕንወት ወሪዱ ብምንባሩ ነዚ ኣምሊስካ ክትዕወት ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑዩ ቀሪቡ። መሓመድ ሳላሕ መምለሲ እግሪ ትኾኖ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ኣመዝጊቡ ፡ ግብጺ ሰለስተ ብሓደ ዝኾነ ውጽኢት ተሳዒራ ሻንጥኣ ኣብ ምጥርናፍ ትርከብ።
ሴኔጋል ንፖላንድ 2 ብ 1 ብስዓር ኣብ ቀዳማይ ዙር ግጥም ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተ እንኮ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኮይና አላ።