18:24
19.6.2018
17:12
19.6.2018
ሎሚ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ዝተኻየደ ጸወታ ጃፓን ኮሎምብያ ብዓወት ጃፓን 2ብ1 ተዛዚሙ።
ኮሎምብያ ንተጻዋታይ ካርሎስ ሳንቾስ ብቀይሕ ካርድ ስዒና'ያ።
ዋንጫ ዓለም 2018 ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝጅመር ንመጀመርያ ቀይሕ ካርድ ዝረኸበት ጋንታ ኮሎምብያ'ያ።
16:59
19.6.2018
ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፉ ዘለው ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ስዑዲ ዓረብ ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት ሞተረ ባርዕ ሓዊ አጋጢሙ
እቶም ተጻወቲ ጽባሕ ረቡዕ ምስ ኡራጋይ ዝካየድ ግጥም ንምስታፍ ይኸዱ ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ስዑዲ ዓረብ እታ ነፋሪት ብሰላም ከምዝዓረፈትን እቶም ተጻወቲ’ውን ብዘይ ጉድኣት ኣብ ቦትኦም ምብጽሖም ብምሕባር እቲ ባርዕ ኣብታ ነፋሪት ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገም ዝሰዓበ ምኳኑ አረዲኦም።