ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት’ዩ” ብሊንከን


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን

ተወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን፡ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሮም ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ይዛራረቡሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ዝርርብ ዘለዎ ድጋፍ ብምግላጽ፡ “ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምቍራጽ ተጻብኦታት’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ብሊንከን ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቶም ተዛተይቲ’ውን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ውሕስነት ሲቪላውያን ዜጋታትን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ግጭትን ብዕቱብ ክዝትዩሉ ኣዘኻኺሩ።

ምስ ፕረዚደንት ኬንያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ሚኒስተር ምትሕግጋዝን ዝምድናታት ወጻኢን ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ከም ዝተዛራረበ ዝጠቐሰ ብሊንከን፡ ምስቲ ነቲ ዘተ ዝመርሕ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ቀጻሊ ምይይጥ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ነቲ ጎንጺ ወታሃደራዊ መፍትሒ የብሉን ዝበለ ብሊንከን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንነባሪ ሰላም ዘተስፉ’ዩ ክብል ገሊጹ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ ክሳብ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንዝርዝር ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣመልኪቱ ዛጊት ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ የሎን።

XS
SM
MD
LG