ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐጸለሉ፣ ዘተ-ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይቃናዕ


ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቃናዕ ዘሎ ዘተ-ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ህወሓትን፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታ ሎሚ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። እንተዀነ፡ ብዛዕባ’ዚ ዘተ፡ ብኣዝዩ ምስጢራዊ ስለ ዝተታሕዘ፡ ካብ ኵላቶም ወገናት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።

ንክልል ትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ-ሰላም ዝሳተፉ ኣባላት ትማሊ ሰንበት ንደቡብ ኣፍሪቃ ምእታዎም ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ክንዲያ ገብረሂወት ትማሊ ብትዊተር ኣመልኪቶም ነይሮም። ኪንዮ ምእታው እቲ ልኡኽን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ዝጽውዕ ምሕጽንታ ፕሮፈሰር ክንዳይን ግን ንዝርዝር እቲ ከይዲ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣይነበረን።

ብወገን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን እዚ ጉዳይ ብኣዝዩ ልዑል ምስጢር’ዩ ተታሒዙ ዘሎ። ኣቐዲሞም ንዝቐረበሎም ዕድመ ከም ዝተቐብሉ ኣማኻሪ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣመልኪቶም ነይሮም። እዚ ልኡኽ ንደቡብ-ኣፍሪቃ ምእታዉ በበይኑ ኣመታት እኳ እንተ ሃለወ፡ ዛጊት ግን ኣስማት ተዛተይቲን ቦታ ርክብን ብጭቡጥ ዝገልጽ ኣካል ኣይተረኽበን።

ኣብቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት’ውን ይጠቕሱዎ ከም ዘለዉ፡ እቲ ርክብ ብዘይ ናይ ሜድያ መወዓዊዒታት ክግበር’ዩ ተመሪጹ ዘሎ። እዚ ናይ ጸጥታ ውሕሰነትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ክኽውን ይኽእል።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ሰራዊት ኤርትራን ብቐዳም ንኸተማ ዓድዋ ተቖጻጺሮማ ኣለዉ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብቲ ግጥም ከቢድ ክሳራ ወሪዱዎን ካብቲ ከባቢ ስሒቡን ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ብዓርቢ ኣብ ዓድዋ ደብዳብ ነፈርቲ ቍጽሮም ዘይተነጸሩ ዜጋታት ምህራሞምን ገለ’ውን ምማቶም’ውን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ንተመሳሳሊ ምንጪ ብምጥቃስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ካልእ ዜና፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ፈደራል መንግስቲን ኤርትራን ምህላዉ ዝፍለጥ ሸራሮ፡ ኣስታት 40 ዝበጽሓ ካብ 13 ክሳብ 80 ዝዕድመአን ደቀንስትዮ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ምዃነን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣብቲ ብማእከል ምውህሃድ ህጹጽ እዋን ዝተባህለ ትካል ናይ ትግራይን ምትሕብባር መሻርኽቲ ኣካላትን ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ 159 ዜጋታት ምቕታሎም’ውን ተመልኪቱ ኣሎ። ፈጸምቲ ናይቲ ቅትለትን ዓመጽን ግን ኣይተነጸሩን። እቲ መጽናዕቲ ዛጊት ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ 157 ዜጋታት ካብ ጸለምቲ፡ ደደቢትን ሸራሮን ብሰራዊት ኤርትራ ምጨዋዮ’ውን ጠቒሱ ኣሎ። ጸብጻብ ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዘቐምጦ፡ ማሕበር ኣምሓራ ሰሜን ኣመሪካ ዝተባህለ ትካል፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንራያ ቆቦ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን 193 ሰለማውያን ዜጋታት ቀቲሉ፡ 143 ደቀንስትዮ ድማ ዓሚጹ ክብል ኣስፊሩ።

ድምጺ ኣመሪካ ብዅሉ ንዝቐረበ ክስታት ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

በበይኖም ኣካላት፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ዜጋታት ዝወርድ ዘሎ ቅትለትን ምጕስቓልን ኣትሪሮም ብምዃናን፡ ኵላቶም ተጻብኦ ከቋርጹን ሰራዊት ኤርትራ ክስሕቡን ይጽውዑ ኣለዉ። ካብ መንጎ’ዚ ከቢድ ጻውዒት ዘቕረበት ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ’ያ። እታ ኣምባሳድር ብዓርቢ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ህልቂት ዝዳረግ ግብረ-መልሲ ዛጊት ዘይምህላዉ ኣመና ኣሕዛኒ’ዩ ኢላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ኲናት ኢድ ብምእታዉ ብብዙሓት ኣካላት ዝንቀፍ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብመገዲ ወግዓዊ መርበብ ሚኒስትሪ ዜና (ሻባይት) ኣቢሉ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ነቲ ዘሎ ኲናት ልዕሊ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ይመጥኦ ኣለዋ ክብል ነቒፉ። እቲ ጽሑፍ “ተሓታቲ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ህልቂት ሰለማውያን ዜጋታትን እቲ ኣበጋሲ ናይቲ ኲናት ውድብ ህወሓት’ዩ” ብምባል፡ ብተጣበቕቱን ተሓለቕቱን ኣቢሉ ግን ከባቢያዊ ኲናት ንኸምስሎ ይጽዕር ኣሎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG