ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ መዓልታት ክቕጽል’ዩ” ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደ/ኣፍሪቃ


ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃዊን ተዓዛብነት ኣመሪካ፡ ኢጋድን ካልኦት ኣካላትን ሎሚ ሰሉስ ዝጀመረ ዝርርብ ሰላም ኣብ ዕጹው ማዕጾ ክቕጽል’ዩ ተመረጹ። ካብቶም በበይኖም ተሳተፍቲን ኣካየድቲ እቲ ዘተን ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ’ውን ኣዝዩ ንእሽቶ’ዩ። ካብ መንጎ’ቲ ኣዝዩ ቍንጣሮ ሓበሬታ፡ ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካፈሎ ሓበሬታ ግን እቲ ዝርርብ ክሳብ 30 ጥቅምቲ (ማለት ንሓሙሽተ መዓልታት) ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ከይዲ ሰላም እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝዀኑ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሪሕነት ክልል ትግራይን ነቲ ዘተ ዘተኣናግድ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ’ዚ ከይዲ እዚ ዘተ ሓበሬታ ክህቡ ዝመረጹ ኣይመስሉን። እቲ ዘተ ንሎሚ ሰሉስ ኣብ ፕሪቶሪያ ክካየድ ምምዳቡን ብዛዕባ’ቶም ናብቲ ዘተ ዝመጹ ወከልቲ ኣካላትን’ውን ካብ ናይ ደቡብ-ኣፍሪቃ መራኸቢታት ጥራይ’ዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን ብዘይካ’ቲ ንውሓት መዓልታት እቲ ዘተ ካልእ ዝርዝር ኣይሃበን።

ብዛዕባ’ቲ ከይዲ ሽፉን ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ግን በበይኖም ካልኦት ኣካላት ንዕኡ ዝምልከት መግለጺ ይህቡ ኣለዉ። ወሃቢት-ቃል ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝዀነት ዣን-ፒየር ኣብ ናይ ትማሊ ሰኑይ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነቲ መስርሕ ሰላም ዘለዋ ምሉእ ድጋፍ ብምግላጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ዝኸፍአ’ዩ ኢላ።

እታ ወሃቢት ቃል፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝቀላጠፈሉ መገዲ ክንናደ ጸዊዓ።

ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ነድ ፕራይስ’ውን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቤት ጽሕፈቱ ነቲ ብኣላያነት ፕረዚደንት ናይጀሪያ ነበር ኦሊሰንጎ ኦብሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ቅድም ምኽታል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ምላምቦ ንጋኩዋ ዝሰላሰል ዘሎ ዝርርብ ምሉእ ድጋፍ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሰራዊት ኤርትራ ቀልጢፉ ክወጽእ፡ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ክርሖ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሰነት ኣመሪካ ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ’ውን ቅድሚ ዘተ-ሰላም ምጅማሩ፡ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ፡ እቲ “ንልዕሊ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣማዚብሉን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ቀቲሉን” ዝበሉዎ ግጭት ዓሪፉ ብሰላም ክዛዘም ዘለዎም ትጽቢትን ድጋፍን ኣስፊሮም።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣቦ-መንበር ውድብ ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ግን ትማሊ ሰኑይ ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ፈደራልን ኤርትራን ዝኣተዉዎ ቦታታት ከቢድ ጭፍጨፋ ይፍጸም ኣሎ ክብሉ ከሲሶም። “ናብቲ ኲናት ተገዲድና ኢና ኣቲና" ዝበሉ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ሰራዊቶም ይምክት ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ሕጂ’ውን ንሰላም ዘለዎም ድሉውነት ብምግላጽ፡ “ወራር እናተኻየደልና ልኡኻት ንደቡብ ኣፍሪቃ ሰዲድና፡” ክብሉ ገሊጾም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ኣምንስት ኢንተርናሽናል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጎ ወርሓት ነሓሰን መስከረን ኣብ መቐለን ዓዲ-ዳዕሮን ብዝተኻየደ ደብዳበ ነፈርቲ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣማኢት ዜጋታት ቀቲሉ ኢሉ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣብ መንጎ 6ን 12 መስከረም፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሸራሮ 40 ሰባት ምቕታሉ ጸብጺቡ ኣሎ። ካብ መንጎ’ቶም ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝርከቡ’ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊት ኣይረኸብናን።

XS
SM
MD
LG