ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ይካየድ ኣሎ


ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ሎሚ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ምጅማሩ ተሓቢሩ። እቲ ብኣላይነት ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰገድን ኦባሳንጆ፡ ናይ ቅድም ምኽታል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ፑምዚሌ ምላምቦን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁር ኬንያታን ዝምራሕ ዘሎ ልዝብ፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ማለት ክሳብ ሰንበት ክቕጽል ምዃኑ ወሃብ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ቪንሰት ማግውንያ ንጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ዕጹው ስፍራ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ናይ ኣመሪካ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ኢጋድን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ተዓዛብነት ከም ዘለዎ ብስም ኮሚሽነር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት ዝወጸ መግለጺ የነጽር። መሳለጥያታት እቲ ዝርርብ ብደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ ዝቃናዕ ዘሎ።

እዚ ዘተ ብወገን ክልል ትግራይ ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምርሑን ንጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ዝሓቘፉን ጉጅለ ክህሉዉ እንከለዉ፡ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ድማ ንኣማኻሪ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ዝጥርነፉ፡ ንሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ጊደዎን ጢመጢዎስ ዘጠቓልሉ ኣባላት ከም ዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG