ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ካብ ዝኸፍኣ ሓደ'ዩ" ዋይት ሃውስ


ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር
ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝተወልዐ ኲናት ደው ንምባል ሎሚ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ ሰላም ተጀሚሩ'ሎ፥ ነዚ ንዘዳለወትን ዘተኣናገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ኣመሪካ ኣድናቖታ ትገልጽ ክብላ ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን-ፒየር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን።


ንሰን ወሲኸን ንላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ: ንአባላት ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚሌ ምላምቦ ምፆጋ ንፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኬንያታ ነቲ ዘተ ሰላም ከዳለው ደቡብ ኣፍሪቃ "ትህቦ ዘላ" ንዝበልዎ ድጋፍ'ውን መንግስቶም ዘለዎ ኣድናቖተን ገሊጸን።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዕሉ እዋን "ንኲናት ኢትዮጵያ ደው ንምባል ድሕነት ምሉእ ህዝባ ንምምላስ መስርሕ ሰላም ኣድላዩ'ዩ" ምባሎም ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ዣን-ፒየር ኣብ መግለጺኣን ኣዘኻኺረን'የን።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ዣን-ፒየር ነዚ'ውን ኣመሪካ ዓሙቕ ናብ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ምእታዋን ንመስርሕ'ቲ ልዝብ ምድጋፋን ገሊጸን: ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር'ውን ናብቲ ከባቢ ብምኻድ ንዝሓለፉ ሰሙናት ኣብቲ ቦታ ምቕናዮም ሓቢረን። እቲ ልኡኽ ኣብቲ ዘተ ሰላም ከምዝሳተፍ'ውን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ነቲ ክልተ ዓመታት ዘቑጸረ ኲናት ኢትዮጵያ ስዒቡ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዓለም ካብ ዝኸፍኣ ሓደ ምዃኑ ብምጥቃስ "ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰፊሕ ምእጋዱ: ቀረብ መግቢን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብ ዝበዝሓ ከባቢ ይውዳእ ብምህላው እቲ ዘድልይ ሓገዝ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተዘይኣትዩ እቲ ዝጠመየ ህዝቢ ብፍላይ ህጻናት ብዘሰንብድ ቁጽሪ ክሞቱ ክጅምሩ'ዮም" ኢለን።

ነዚ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ የብሉን" ክብላ ደጊመን ዘተሓሳሰባ ዣን-ፒየር ኲናት ብቅልጡፍ ደው ክብል: መራሕቲ ክልል ትግራይ ናብቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዝብ ሰላም ምስ ልቦናኦም ክኣትው: ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ንኢትዮጵያዊያን ክባጻሕ: ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ክብሉን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክወጹን ሓቲተን ኣለዋ።


እተን ወሃቢ ቃል "ኩላቶም ወገናት ንፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑን ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ክኸላኸሉን ኣመሪካ ትጽውዕ" ኢለን።

"ናይ ጭካነ ተግባራት ዝፈጸሙ ድማ ብተሓታትነት ክተሓዙ ንዝምልከቶም አካላት ኣብ ቀረባ መዓልታት ከነፍልጥ ኢና" ክብላ መዓልታዊ መግለጺኣን ምሃብ ዝጀመራሉ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዛዚመን።

XS
SM
MD
LG