ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ዘይተመለሱ ሕቶታትን ሻቅሎትን ከምዘለዎ ተገሊጹ


ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል፡ ነቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ንምዕራፍ ቀዳማይ ስጉምቲ`ዩ ዝብል መጎስ ረኺቡ`ሎ።

እንተኾነ፡ ናብ ዘላቒ ሰላም ከምርሕ`ዶ ይኸውን ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶታት ገዲፉ`ሎ።

እቲ ውዕል ተኹሲ ብረት ጸጥ ክብል፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክፍቀድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ፈደራላዊ ስልጣን ክቐውም ከምኡ ተዋጋእቲ ህወሓት ዕጥቆም ክፈትሑ ዝጽውዕ`ዩ።

እንተኾነ ገለ ተዓዘብቲ ብታህዋኽ ዝተገብረ ውዕል`ዩ ይብሉ። ተመራማሪ ጂኦ-ፖለቲካ ፓትሪክ ፈራስ ካብ ስትራትራጂ ኣፍሪካንስ፡ ዘይተመለሱ ካብ ዝብሎም ሕቶታት ብዛዕባ ሓይልታት ኤርትራ ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዞባዊ ሚልሻታት ዘይምጥቃሶም`ዩ። ንኣብነት ይብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ብሚልሻታት ኣምሓራ ተታሒዙ ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ካብ መንጎ ኣብቲ መስርሕ ሰላም ጎሊሑ ዝርኣይ`ዩ ግን ብዛዕብኡ ዳርጋ ዝተባህለ ነገር የለን ይብል።

በን ሃንተር ዝተባህለ ተንታኒ ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ውዕል ኣይፈረመን፡ ስለዚ ህወሓት ነቲ ውዕል ንከፍርስዎ ክትኹትኾም ይኽእል`ዩ ይብል።

ህወሓት'ውን ከምቲ ዝተባህለ ዕጥቁ ክፈትሕ ምዃኑ ዘጠራጥር`ዩ ዝበለ ድማ በንጃሚን ፐትሪኒ ኣብ ዋሺንግተን ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ኢንስቲቱት ንስትራተጂያዊ መጽናዕቲ ተመራማሪ`ዩ።በንጃሚን ህወሓት ዕጥቁ ንክፈትሕ ዝተዋህቦ ውሕስነት ጸጥታ`ኸ እንታይ`ዩ ክብል ይሓትት ።

በንጃሚን ፐትሪኒ ብምስዓብ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ድማ መጻኢ ዕድል ህወሓት`ዩ። ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓቢይ ጽልዋ ዝጸንሖ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ገዛኢ ፓርቲ ኮይኑ ናይ ምቕጻል ጉዳይ`ዩ ይብል ።

ድሕሪ`ቲ ምፍራም`ቲ ውዕል ድሕሪ 24 ሰዓታት፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቱ ካብቲ ልዝብ ኩሉ ጠለባቱ ከምዝረኸበ ተዛሪቡ።

ድሕሪ`ቲ ውዕል ዝተዛረበ ሓላፊ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ምትእምማን ንምህናጽ ፓርቱ ሕድገታት ከምዝገበረ ድሕሪ ምእማን፡ እቲ ስምምዕ ቀልጢፉ ክትግበር ጸዊዑ`ዩ።

ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ እቲ ክልል ኣብ ገምገም ዕንወት`ዩ ጸኒሑ፡ ምኽንያቱ፡ ከም ጸዓት፡ መራኸቢታት፡ ስርዓት ባንኪታት ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት የለዉን።ዳግም ንምህናጾም ድማ ዓቢይ ዕማም ይሓትት ይብል።

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝጠቐሶ ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ በን ሃንተር ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህውሓትን ዝተገብረ ውዕል ዝመርሐ ሕብረት ኣፍሪቃ ንሕጂ እፎይታ የተንፍስ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ዝነበረ ጻዕርታቱ ይንቀፍ ስለዝነበረ፡ እንተኾነ ብኣግኡ ፈስታ ትገብረሉ ኣይኮነን ይብል ።

፨፨፨፨፨ አንድ ፨፨፨

XS
SM
MD
LG