ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ሃገራት ዓለም ንስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ንኢዶም


መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ'ቲ ትማሊ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኢትዮጵያ ጥንቁቅ ዝኾነ ተስፍኦም ይገልጹ`ለዉ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ "ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ስምምዕ ክበጽሑ ዝገበርዎ ቆራጽነት ነድንቕ” ኢሉ። ንሱ ስዒቡ ኣመሪካ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ኣብ መዓልብኡ ክበጽሕ ምሕጋዛ ክትቅጽል`ያ ኢሉ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ትማሊ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ንምፍራም ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ድሕሪ ምግላጽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ሰላም ንክመጽእ ንዝገበሮ ሓያል ጻዕሪ`ውን ኣመጉሱ።

ሪፓብሊካን ሰነተር ጂም ሪች ድማ፡ ሚልዮናት ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝተዓጸዉሉን ድሕሪ እዚ ኹሉ ሞትን ግፍዕን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንምቍራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም ኣለዉ ኢሉ።

ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ብወገኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ስምምዕ ብምብጽሖም እንቋዕ ኣሐጎሰኩም ድሕሪ ምባል፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ክልተ ወገናት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ድጋፉ ቀጻሊ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንቶኒ ጉተረዝ`ውን ነቶም ተላዘብትን ኣሳላጥን ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብምብጽሖም ሞጉሱ`ሎ።

ጉተረዝ ትማሊ ኣብ ኒው ዮርክ ንሪፖርተራት ክገልጽ ከሎ “ ንዘይተደረተ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ዳግመ ምጅማር ህዝባዊ ኣገልግሎታትን እዚ ሕጂ ዝተገብረ ስምምዕ ቀዳማይ ወሳኒ ስጉምቲ`ዩ” ኢሉ።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ጆሰፍ ቦረል ድማ፡ ቅልጡፍ ትግባረ`ቲ ስምምዕ ኣገዳሲ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ኩሉ ዝተጎድአ ከባብታት ሰብኣዊ ተበጻሕነትን ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ልክዕ ኣብ ክልተ ዓመቱ`ዩ።

XS
SM
MD
LG