ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዛተይቲ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ንምቁራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም


ብሕብረት ኣፍሪቃን መሪሕነት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆን ኣብ ፕሪቶሪያ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሞም። ነቲ ስምምዕ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብወገን መሪሕነት ትግራይ ድማ ኣይተ ጌታቸው ረዳ'ዮም ፈሪሞሞ።

እቲ ብተዓዛብነት ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ውድብ ኢጋድን ክካየድ ዝቐነየ ዝርርብ ሰላም፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝውላዕ ካልኣይ ዓመት ይመልኣሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኦባሳንጆ ኣብቲ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ እቲ ስምምዕ መርኣያ ኣፍሪቃዊ ሽግራት ብኣፍሪቃዊ ፍታሕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት ንምቍራጽ ተጻብኦታት ምስምማዖም ገሊጾም። እቶም ክልተ ኣካላት ንምሕዳስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሓገዝ ነቶም ብዂናት ዝተሃስዩ ወገናት፡ ምቍራጽ ንሲቪላዊ ዒላማ ዝገበረ ጎንጺ ደው ከብል ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም።

“እዚ ናይ ፈለማ ናይቲ ከይዲ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይኰነን” ዝብሉ ፕረዚደንት ነበር ኦብሳንጆ፡ ኵላቶም ኣካላት ንነባሪ ፍታሕ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ጸዊዖም።

ኦባሳንጆ ኣብ መግለጺኦም ኣቓልቦ ዓለም ሕጂ ኲንዮ እቲ ምፍራም ስምምዕ ናብ ትግባረ ክሰግር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቶም ተዛተይቲ ኣካላት ንዅላቶም ኢትዮጵያውያን ዘዅርዕ ስራሕ ምስራሖም ሓቢሮም።

ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያው ወኪሎም መደረ ዘስምዑን ነቲ ጕጅለ ተዛታዪ ዝመርሑን ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብወገኖም፡ ንዅላቶም ኣካላት ድሕሪ ምምስጋኖም፡ እቲ ስምምዕ ሓደ መርኣያ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃዊ ዘተ ምዃኑ ኣስሚሮም። ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ መገለጺኦም ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዝወረደ ዕንወት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ተዓዘብቲ ኣካላት ንኢትዮጵያ ካብቲ ዝኣተወቶ ኣስካሕካሒ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ኣበርክቶ ክገብሩ ጸዊዖም።

ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብ መደረኦም ናይ ደገ ምትእትታው’ውን ጠቒሶም ነይሮም። እንተዀነ ሕጂ’ውን ንቕድሚት ንምኻድ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሮም።

ንመሪሕነት ክልል ትግራይ ወኪሎም መደረ ዝሃቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ዝርርብ ሰላም ብዙሕ ውርደ፡ ደይብ ከም ዝነበሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ነቲ ስምምዕ ምፍራሞም ሓደ ጽቡቕ መርኣያ ምዃኖም ሓቢሮም። ኣይተ ጌታቸው ኣብ መግለጺኦም፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝወረደ ከቢድ ሃስያ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ስምምዕ ምፍራሙ ንቕድሚት ናይ ምኻድ ዘለዎ ተስፋ ገሊጾም። "እዚ ዜና ንዅሉ ደላይ ሰላም ዘሕጉስ’ዩ፡" ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዝፈረሙዎ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ክሰርሑ ጸዊዖም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዘረባኦም፡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ኲናት ደቀንስትዮን ህጻናትን ብምዃኖም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንውሓት ናብ ዘተ-ሰላም ንምብጻሕ ዝወሰደ መገዲ ኣተሓሳሳቢ’ዩ ክብሉ ጠቒሶም። እቲ ቀንዲ ኣተኵሮ ክኸውን ዘለዎ ድማ ኣብ ትግባረ ናይቲ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ክኸውን ዘለዎም ተስፋ’ውን ኣመልኪቶም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ኲናት ተራ ዘለዎም ኣካላት ብዙሓት ምዃኖም ብምጥቃስ ድማ ነቶም ኣካላት ነቲ ስምምዕ ከይዕንቅፉ ዘድሊ መጠንቀቕታት ክግበር ጸዊዖም።

ክልቲኦም ኣካላት ዝተሰማምዑሎም ነጥብታት ኣብቲ እዋን ስምምዕ ከም ዝተፈረሙ ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ፤

1.ምቍራጽ ተጻብኦታት

2.ዘላቒ ምቍራጽ ተዅሲን ክልተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ምኽታምን

3.ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝፈሰሰ ደምን ንዅሉ ወገናት ከም ዝሃስየ ብምርዳእ፡ ኪንዮ ግጭት ዝኸዱሉ መገዲ ምንዳይ

4.ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነት ኢትዮጵያ ብምእማን ብቕዋም’ታ ሃገር ምቕባል። ስለዚ ኢትዮጵያ ሓደ ሃገራዊ ሰራዊት ምክልኻል ጥራይ'ዩ ዘለዋ።ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን ዳግመ-ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባርን ተዋጋእቲ ህወሓት'ውን ተሰማሚዕና-ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው።

5.መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ምምላስን ናብ ኵሉ ምብጻሕን ምስ ዓለማውያን ትካላት ምትሕብባር ከዕዝዝ

6.ኣብ ክልል ትግራይ ብቕዋማዊ ኣገባብ ምስግጋር ናብ ተሓታትነት፡ ፍትሒን ሕውየትን ዘምርሓሉ መገዲ ምስራሕን ኣብ ትግራይ መሰጋገሪ መቕን ፍትሒ ምቝም

7.ሓላፍነት ንምውሳድን ምትግባርን ምቍራጽ ንጽልኢን ምትዅታዅን ዝደፍእ ፕሮፓጋንዳ

8.መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቑጠባዊ ሕወየት ዝኸውን ኣብ ምትግባር ምውፋር፣ ንምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክሰርሕ

9.ነቲ ስምምዕ ሰላም ዘሳለጡ ኣካላት፣ ብቐንዱ ድማ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምምስጋን

10.ንመንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ዝገበረሎም ኣሳልጥነት ምምስጋን

11.ንህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ሰላም ክካየድ ብትዕግስቲ ስለ ዝተኸታተለን ድጋፉ ምርኣዩን

12. ኵላቶም ንኹሎም መሓዙት ኢትዮጵያን ዲፕሎማትን ኣካላት መራኸቢ ብዙሃን፡ ነቲ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ምምላስ ድጋሮም ከርእዩ ምጽዋዕ ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ'ዩ።

XS
SM
MD
LG