ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ምርግጋጽ ነባሪ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ኣጸጋሚ ክኸውን'ዩ" ሓላፊ ፖሊሲ ወፃኢ ሕ/ኣውሮጳ


ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል- ፋይል
ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል- ፋይል

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ድሕሪ እቲ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ‘ዘፍርሕ’ ኲናት ኢትዮጵያ ዘላቒ ምቁራፅ ቶኽሲ ንምርግጋፅ ‘ኣዚዩ ከቢድ ክኸውን እዩ’ ክብሉ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-7 ተዛሪቦም።

ጆሴፍ ቦረል ኣብ ጀርመናዊት ከተማ መውንሰትር ይካየድ ኣብ ዘሎ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ጉጅለ-7 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈረመ ስምምዕ ‘ፅቡቕ ዜና’ እዩ ኢሎም።

ቦረል ቀጺሎም እንተኾነ ግን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘላቒ ሰላም ክበፅሑ ኣለዎም እዚ ኸኣ ቀሊል ኣይኸውንን ኢሎም።

"እቲ ኣዚዩ ዝኸበደ ነገር ምክያድ ኲናት ዘይኮነስ ምፍጣር ሰላም እዩ’’ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም ሕብረት ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ሰላም: ዕርቅን ዳግመ ሕውየትን ንምምፃእ ንዝግበር ፃዕርታት ንምሕጋዝ ቅሩብ እዩ ኢሎም።

ቦረል እቲ ስምምዕ ሰናይ'ዩ ክብሉ ብምቕባል ኣብቲ ግጭት ገሊኦም በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100,000 ምዃኖም ዝገልፁዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝተቐትልሉን ግዳያት ዝኸፍአ ግፍዒን ንዝኾኑ ሰባት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክዝክሮ ኣለዎም ኢሎም።

"ዓለም ናብ ዩክሬን ጠሚቱ ንሩሲያ እዩ ዝኸስስ ዘሎ።ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኲናት ይካየደላን ዘላን ግን ኢትዮጵያ እያ ‘’ኢሎም።

ትማሊ ሓሙስ ዝጀመረ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ጉጅለ-7 ዛጊት ብኲናት ዩክሬን ዝተዓብለለ እዩ።

ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ኣኼብኦም እቶም ሚንስትራት ኣብ ቀረባ ኣብ ኢራን ዘጋጠመ ዘይምርግጋእን ርክባት ምስ ኣፍሪቃን ብዝምልከቱ ክዝትዩ እዮም።

ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ጋናን ኬንያን ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ኣብቲ ዝርርብ ክሳተፉ እዮም።

XS
SM
MD
LG