ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላጥ ኣገልግሎት ክልል ትግራይ ስራሕ ምጅማሩ ይሕብር


ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን-ፋይል
ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን-ፋይል

ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን መራሒ’ቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጓዕዘ ጕጅለ ተላዘብቲን ዝዀነ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ብመልእኽቲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዝጸሓፎ፡ መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ብቕልጡፍ ኣብ ምትግባር ስራሕ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ። መልእኽቲ ትዊተር እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ ከም ዘመልክቶ፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐን ንዅላቶም ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲን ዘጠቓለለ ምይይጥ ሎሚ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ዘተ ንዳግመ-ህንጸት፡ ምሕዳስ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ምትዕርራይ ዝምድናታትን ጠሚቱ ከም ዝሰርሕ’ውን እቲ መልእኽቲ ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝነጥፋ ትካላት፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ-መስቀልን’ውን ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንኸብጽሓ ኣብ ምድላው ከም ዘለዋ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኣመልኪተን። እንተዀነ እተን ትካላት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፍቓድ መምርሒ ይጽበያ ምህላወንን ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝምድናታት ወጻኢ ክልል ትግራይ ዝዀኑ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረሂወት፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዝደምሰሱዎ ናይ ትዊተር መልኽእቲ፡ “ድሕሪ ምፍራም ምቍራጽ ተጻብኦታት መጥቃዕቲ ድሮንን ከቢድ ብረትን ኣብ ማይ-ጨው ህይወት ዜጋታት ወሲዱን ንኻልኦት ኣቝሲሉን” ብምባል ጽሒፉ።

መልእኽቲ ፕሮፈሰር ክንዲያ ጸኒሓ ተደምሲሳ’ያ። ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ዝተባህለ ሓቅነቱ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ “ናብ ትስፉዎ ሰላም ዝመርሕ ስጕምቲ” ክብል ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እንተዀነ ይብል እቲ መግለጺ “እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኵሉ ሓቆፍ ንክኸውንን” ብምጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ይውርድ ኣሎ ዝበሎ ግፍዒ ዝግበኦ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG