ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብቲ ለንቅነ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝካየድ መርመራ መንግስቲ ከምዘይኣምኖ ገሊጹ


ጊምቢ - ፋይል
ጊምቢ - ፋይል

ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ናጻ ዝኾነ መርመራ ከካይድ'ዩ ኢሉ እምነት ስለዘይብሉ ናጻ ዝኾነ ኣካል ከጻርዮ ኣለዎ ክብል ጸዊዑ።

ወሃቢ ቓል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ ብትዊተር ኣብ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዙሓት ግፍዕታት ተፈጺሞም`ዮም መንግስቲ ግና ወላ ሓደ ክገብር ኣይረኣናን ኢሉ።

ሓላፊት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባችለት ትማሊ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ለንቅነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸመን መብዛሕቲኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝተቐተልሉን መጥቃዕቲ ቅልጡፍን ዘይወገናውን ምጽራይ ክገብር ጸዊዓ`ያ።

ፈደራል መንግስትን ሰበ-ስልጣን ክልል ኦሮሚያን ነቲ ኣብ ቶለ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነቶም ሸኔ ብምባል ዝጽውዖም ንሶም ግን ንገዛእ ርእሶም ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝብሉ`ዮም ተሓተቲ ጌሮም ዘለዉ። እቲ ምስ ህወሓት ዝተሻረኸ ጉጅለ ግን ንደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሚልሻታት ተሓተቲ ይገብሩ።

ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ሰባት ንኤይኤፍፒ ክገልጹ ከለዉ፡ ኣማኢት ተወለድቲ ኣምሓራ በቶም ዕጡቓት ተቐቲሎም ሬሳታቶም ንሰዓታት ኣብ ጽርግያታት ኔሩ ኢሎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ጋምቤላ ምስ ዕጡቓት ኦሮሞ ትተሓባበሩ ኢኹም ኢሎም ንነበርቲ ብዘፈቀደ ከምዝረሸኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG