ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ምክልኻል ናብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ክልል ኦሮምያ ብምእታው ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ቀ/ሚ ኣብይ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ትማሊ ጀሚሩ ተሪር ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ወረዳ ጊምቢ ቀበሌ ቶሌ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ቁጽሮም ይውስኽ ምህላዉ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ`ለዉ።

ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ዛጊት ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ዝተገልጸ ነገር የለን።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝኹንን መግለጺ ዘውጽኡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ፓርትታት፡ መንግስቲ ንድሕነት ዜጋታት ክሕሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

መንግስቲ ነቲ ስጉምቲ ዘይወሰደ ካብ ዓቕሚ ምስኣን ዘይኮነስ ካብ ዘይምድላይ`ዩ ዝብል ነቐፌታ ዘቕርቡ ወገናት'ውን ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት`ዚ ሽዱሽተ ቢልየን ሓዲሽ ፈልሲ ናይ ምትካል ስነ-ስርዓት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ሰላማዊያን ሰባትዝተቐትሉ ምዕራብ ወለጋ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ሓያል ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ ተዛሪቡ`ሎ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብወገኖም፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ቦታ ኣትዮም ስጉምቲ ይወስዱ ከምዘለዉ መስኪሮም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG