ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሕጂ'ውን ንድሕነቶም ከምዝሰግኡ ገሊጾም


ጊምቢ
ጊምቢ

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ዝተመዛበሉ ሰባት ሕጂ እውን ንድሕነቶም ከምዝሰግኡን ብመንግስቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ዘዕግብ ከምዘይኮነን ገሊፆም።

ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ጊንቢ ዝተፈፀመ ሓዊሱ ኣብዚ ቅኒያት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታት 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝፀውዕዎን ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕን ጉጅለ ምፍፃሙ ብምሕባር እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ኢሎም።

ፈፃሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ናይ ሎሚ ኣኼብኡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሃገራዊ ፀጥታን ይውሰድ ኣብ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ኢሉ ዝፀውኦ ስጉምትን ተዛራሪቡ እቲ ስጉምቲ ሓይሉ ክቕፅል ኣንፈት ምቕማጡ ኣብ ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ገሊፁ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እቲ መጥቓዕቲ ብገለልተኛን ተኣማኒን ኣካል ክምርመር ሓቲቶም።

ብኻልእ ወገን ኣመሪካ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀመ ቅትለት ከምዘተሓሳሰባ ኣሜሪካ ፍሊጣ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ቅትለት ብዓሙቕ ከምዝተሓሳሰቦ ሓቢሩ ኣሎ።ብዝወረደ ዘስካሕክሕ ተግባር ምሕዛኑ ብምግላፅ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ክረጋገፅ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG