ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽነር ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ወለጋ ዝተኻየደ ቅትለት ክጻረ ጸውዔን


ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚቸል ባችለት
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚቸል ባችለት

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ሚቸል ባችለት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ብህጹጽ፣ ብናጻን ሙሉእን ኣገባብ ንከጻርዮ ጸዊዔን።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ዝረኸቦ ሓበሬታ "ናብ ተወላዶ ኣምሓራ ዝነብሩላ ገጠር ቶሌ ዝኣተው ዕጡቃት፣ ንዝረኸብዎ ሰብ ብኣልማማ ድሕሪ ምትኳሶም፣ ኣማኢት ከምዝተቀትሉን፣ ኣስታት 2000 ድማ ካብ’ቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን" ጠቂሱ።

ብዘይካ'ዚ፣ እቶም ዕጡቃት፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰዓታት ንብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ኣንዲዶም። ከምኡ'ውን ንብዝሖም ዘይተፈልጡ ሰባት ጨውዮም ናብ ዘይተፈልጠ ስፍራ ወሲዶሞም።

ሚሸል ባችለት ኣብ መግለጺኤን "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግዳያትን ስድራ ቤቶምን፣ እንታይ ከምዝተፈጸመ ነቲ ሓቂ ክፈልጡ፣ ፍትሒ ክረኽቡን ገበነኛታት ንክሕተቱን" ክሰርሕ ጸዊዔን።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ውጥረት ንሂሩ፣ ግጭታት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይውላዕ አሎ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ መግለጺኡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንናይ ሰባት ናይ ምንባር መሰሎም ከረጋግጸሎምን ንክሕልዎምን" ተማሕጺኑ።

XS
SM
MD
LG