ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ንሱዳን ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሓደ ጉጅለ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ብናይ ሱዳን ቤዳዊን ራሻይዳ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ተጨውዮም። ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳን ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምቁጽጻር ኣብቲ ቦታ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ድማ ነዞም ጉጅለ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ነጻ ምውጽኦም ይገልጹ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንዝኻየድ ዘሎ ሃገራዊ ናይ ካልኣይ ደረጃ መልቀቂ ፈተና ንከይስረቅ ብዝብል ስግኣት ኣገልግሎት ኢንተርነት እታ ሃገር ምሉእ ንምሉእ ምዕጻዋ ተገሊጹ። ብኣማኢት አሽሓት ዝቑጸሩ ተማሃሮ ነዚ ፈተና ይፍተኑ’ለው። መልቐቂ ፈተና 10ይ ክፍሊ ካብ ግንቦት 31 ክሳብ ሰነ 2 ዝኻየድ ኽከውን ከሎ ናይ 12 ክፍሊ ፈተነ ድማ ካብ ሰነ 5 ክሳብ ሰነ 8,2017 ዓ.ም. ክኻየድ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ቁጠባዊ ዕብየት ኣፍሪቃ ዝተሓተ ምንባሩ ሓደ ሪፖርት ሓቢሩ።ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ፣ደርቂ፣ፀጥታ፣ኣብ ገለ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ድማ ገለ ካብ ምክንያታት ምንቁልቋል እቲ ቁጠባ እዮም።
ኣብ ዘይሕጋዊያን ምስግጋር ሰባት ይነጥፍሩ’ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ወደብ ሲሲሊ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተሓቢሩ።
እዚ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ብትካል መፅናዕትታት ስነ ህዝቢ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ካልኦት ተሓጋገዝቱ ዝተሰናደአ እዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ትካል ዶክተር ክንፈ ኣብርሃ ዕላማ እቲ ዋዕላ ልማዳዊ ሜላታት ኣተኣላልያ ጐንፂ ምስ ስሩዕ ሕጊ ብኸመይ ተሳንዮም ከምዝኸዱ ንምዝታይን ልምዲ ንምልውዋጥን እዩ ኢሎም፡፡
ሰለስተ ብ”አዋልድ ጥበብ”ዝፍለጣ ደቂ ኣንስትዮ ገጸ ባህርያት ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ዝዝውተሩ ጎዳኢ ልምድታት ደው ንምባልን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትምህርቲ ንምምዕባል ኣብ ዝተዳለወ ተኸታታሊ መደብ ቴሌቭዥን ወፍሪ የካይዳ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ መጻኢ ዕድል’ታ ሃገር ኣብ ኢዱ’ዩ ዘሎ ክብሉ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዛይድ ራዓድ አል ሁሴን አገንዚቦም።
ኣብ ዓይደርን ኣብ ካልኦት ማእኸላት ጥዕናን ትግራይ ዝሓረሳ ኣደታት ግን ድማ ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ መከታተሊ ሕሙማት ዝሃረሱ ህፃውንቲ ደቀን እናተመላለሳ ከጥቡባ ዝፀንሓሉ ፍሉይ መፅለሊ የብለንን፡፡ ካብዚ ፀገም እዚ ብምብጋስ እተን ኣደታት ኣብ ገበላን ወሰና ወሰንን መተሓላለፊ እቲ ሆስፒታል ኣብ መሬት ይህርሳ፡፡
ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ደርቂ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ይርኸብ፡ መንግስቲ ብወገኑ ተወሳኺ ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ። ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኤል ኒኞ ዘጋጠመ ደርቂ ኣብ ምምካት ትርኸብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋሕዲ ዝናብ ንውሕስነት መግቢ እታ ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ይርኸብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ዝአትው መንገዲ ብምስራሕ ነቲ ዞባ ንኣውፈርትን በጻሕትን ክፉት ጌርዎሎ። እቶም ኣብ ማዕድን ጨው ዝወፈሩ ግን እዚ ዘመናዊ ኣገባብ ነቲ ልምዳዊ ኣገባብ ማዕድን ጨው ዘጥፍእ’ዩ ይብሉ።
ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣከባብራ በዓለ ስቕለትን ስግዳንን