ኣብ ሞያሌ ብዝተፈጥረ ጎንጺ 8 ሰባት ሞይቶም

ፋይል- ከተማ ሞያሌ 2013 ዓ.ም

ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ሞያሌ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ክብሉ ምንጭታት ሆስፒታል ገሊጾም።

ልዕሊ 40 ካልኦት ሰባት ኣብቲ ጎንጺ ዝቆሰሉ ክኮኑ ከለው ናብ ሆስፒታል ያቤሎን ሲዶን ከምዝተላእኹ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ትማሊ ኣብታ ከተማ ኣብ ሓሙሽተ ዝተፈላለየ ቦታታት ጎንጺ ምፍጣሩን፡ ሎሚ ንግሆ ኸአ ሓደ መንእሰይ ካብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ብዝተተኮሰ ጥይት ተቀቲሉ ክብሉ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ምምሕዳር’ቲ ክልል’ውን ፈደራል መንግስቲ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቱ’ሎ። ናይ ሞያሌ ሆስፒታል ጠቅላሊ ዳይሬክተር ዶ/ር ንጉሱ አዱኛ ብዙሓት ዝተቀትሉ ብጥይት ብምዃኑን ብዝተደርበየ ነታጊ ዝቆሰሉ ምህላዎም’ውን ገሊጾም።

“ናብ ሆስፒታልና ዝመፁ ብግምት 50 ዝኾኑ ሰባት እዮም።ካብኣቶም ሸሞንተ ምሟቶም ሆስፒታልና ኣረጋጊፁ’ሎ።ኣብ መንገዲ ከለው ዝሞቱን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና እናተገበረሎም ከሎ ዝሞቱን እዮም።ቀሊልን ከቢድን መቑሰልቲ ዝወረዶም እውን 43 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ኣለው።”

ካብቶም ዝቆሰሉ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝርከብዎም ዝገለጹ ዶ/ር ንጉሱ ዝሞቱ ግን ደቂ ተባዕትዮ እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሞያሌ ብዝተፈጥረ ጎንጺ 8 ሰባት ሞይቶም