ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሞያሌ ወታሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝኸፈትዎ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ቦረና ከባቢ ከተማ ሞያሌ ዝሓለፈ ቀዳም ወታሃደራት መንግስቲ መጥቓዕቲ ከፊቶም 10 ሰባት ከምዝቐተሉን ካልኦት 11 ሰባት ከምዘቑሰሉን ነበርቲን ምምሕዳር’ታ ከተማን ኮማንድ ፖስትን አረጋጊጾም።

አባላት ምኽልኻል ሰራዊት ነቲ ቅትለት ዝፈጸምዎ ሓደ አዛዚ ሻለቃ ሰራዊት ዝርከቦ አባላት’ቲ ሰራዊት ብዝሓዝዎ ዝተጋገየ ናይ ስለያ ሓበሬታ’ዩ ክብል ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ፈጻሚ ኮማንድ ፖስት ገሊጹ’ሎ።

ነበርቲን ኣመሓዳሪን’ታ ከተማ መንግስቲ ሓደ ሃገር ብወታሃደሩ ጌሩ ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰላማዊያን ዜጋታት ብጭካነ ቅትለት ፈጺሙ ኢሎም ኣለው።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ ቕትለት ኣዝዩ ዘሕዝን ምኳኑ ዝገለጹ አባገዳ ኩራ ጋርች ነቲ ቕትለት ተሓተቲ ዝኾኑ አባላት ሰራዊት ምኽልኻል ኢትዮጵያ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ከምዝሓተቱ ኣፍሊጦም ኣለው።

“ቕድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ሞያሌ ቕትለት ዝፈጸሙ አባላት ሰራዊት ምክልኻል ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ሓቲትና መንግስቲ ኣየቕረቦምን” ኢሎም።

ድሕሪ’ቲ ቕትለት ሞያሌ ናብ 50 ሽሕ ዝጽግዑ ሰላማዊያን ሰባት መንበሪኦም ሓዲጎም ናብ ኬንያ ከምዝተሰዱ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ኬንያ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG