ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ሞያሌ ናብ ኬንያ ምስዳዶም ቀይሕ መስቀል ገሊጹ


ስደተኛታት ነበርቲ ሞያሌ ኣብ ኬንያ
ስደተኛታት ነበርቲ ሞያሌ ኣብ ኬንያ

ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኬንያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ሞያሌ ናብ ኬንያ ምስዳዶም ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ጸጥታ መንንግስቲ ትሸዓተ ነበርቲ ሞያሌ ምቕታሎም ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ሞያሌ ናብ ኬንያ ምስዳዶም ተገሊጹ።

መራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተጋገየ ሓበሬታ ነቶም ትሸዓተ ሰባት ተኹሶም ከምዝቐተልዎ ገሊጹ’ዩ።

ብመሰረት መግለጺ ቀይሕ መስቀል መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት እዮም።

“እዚ ማለት ነብሰ ጾራት፡ ዘጥብዋ ኣዴታት፡ ብጽኑዕ ዝሓመሙን ከምኡ’ውን ክጉዓዙ ዘይኽእሉ ሰባት ዝሓወሰ’ዩ”ይብል።

ሓደ ካብ ነበርቲ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ብዘካይድዎ ተደጋጋሚ ጎንጽን ዝፈጥርዎ ጸገማትን ሰባት ካብቲ ቦታ ክስደዱ ምግዳዶም ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2015 ዝጀመረ ተቓውሞ ቀንዲ መበገሲኡ ክልል ኦሮምያ ምኻኑን ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን10 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጁን ሕጂ’ውን ዳግማይ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብታ ሃገር ተአዊጁ ከምዘሎ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG