ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ከተማ ሞያሌ ናብ ኬንያ ምስዳዶም ተገሊጹ


ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም አባላት ምኽልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ተኹሶም 10 ሰባት ምቕታሎምን ካልኦት ሓያለ ምቁሳሎም ስዒቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ነበርቲ ከተማ ሞያሌ ዶብ ብምስጋር ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኣርባዕተ ጊዝያዊ መዕቖቢ ቦታ ሰፊሮም ከምዘለው ተገሊጹ።

ቀይሕ መስቀል ኬንያ ሰብኣዊ ረድኤት ይገብረሎም ከምዘሎን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኸአ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኬንያ ብምዝርራርብ እቶም ስደተኛታት ዝሕገዝሉ መንገዲ የጽንዕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ጨንፈር ኬንያ ሚስ ይጎን አንደገ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ትካለን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ናብቲ ቦታ ክልእኽ ምኳኑ ገሊጸን።

እቶም ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሕታት መሰሎም ተሓልዩ ሕጋዊ ዑቕባ ንኽረኽቡ ትካለን ምስ መንግስቲ ኬንያ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጸን።

ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ኬንያ ብወገኑ ነቲ ኩነታት ይኸታተሎ ከምዘሎን ነቶም ስደተኛታት አድላይ ረድኤት ንምሃብ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝግበር ዘሎ መጽናዕቲ ውጽኢት ንጽበ ኣለና ኢሉ’ሎ።

“ብዛዕባ’ቲ ዋሕዚ ፈሊጥና አለና ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኾይና ነቲ ጉዳይ አጽኒዕና ቀጻሊ ስጉምቲ ክርእይ ኢና። “

ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ ሕጂ’ውን ነበርቲ ከተማ ሞያሌ መጥቓዕቲ ሰራዊት ብምፍራህ ናብ ኬንያ ይስደዱ ከምዘለው ይዛረቡ ኣለው።

XS
SM
MD
LG