ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስር ዶ/ር አብይ አሕመድን ኣብ ቀረባ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ አፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ታሪኻዊ ምብጻሕ ዝገበረ ላዕላዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ብዝምልከት መግለጺ ዝሃበ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ፡ እቲ ምብጻሕ ኣብ`ዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን፡ ኣብ መጻኢ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝራኸብሉ ኩነታት ክመቻቸ`ዩ፡ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ `ውን ብተኸታታሊ ክስርሓሉ`ዩ ኢሉ።
“እዚ ምብጻሕ ኣብዚ ጥራይ ዘብቕዕ ኣይኮነን። ኣብ መጻኢ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት ዝራኸብሉ ኩነታት ክዳለው እዩ። እዚ’ውን ኣብ ቀረባ ጊዜ ክከውን’ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ። ብተወሳኺ’ውን ካልኦት ጉዳያት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ሓቢርና ኣብ እንጉዓዘሉ ኩነታት’ውን ንሰርሖም ስርሓት ብፍላይ ክልቴና ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣበርቲዕና ክሰርሕ ኢና።”
ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ብሚንስተር ወጻኢ ዕስማን ሳልሕን ፕረሲደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ኣብ ዝተፋነወሉ እዋን፡ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ደብዳበ ዝለኣኸ ክኸውን ከሎ፡ ህያብ `ውን በቶም ልኡኻት ጌሩ ሰዲድሉ።
ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኻት ኤርትራ ናብ አዲስ አበባ ዝኸደ ኢትዮጵያ ንስምምዕ አልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበለቶን ከምትትግብሮን ድሕሪ ምግላጻ’ዩ።
Your browser doesn’t support HTML5