ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ አዲስ አበባ ኣትዩ-ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምውቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም


ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ አዲስ አበባ ኣትዩ-ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምውቕ ኣቀባብላ ተገይርሎም።

እዚ ድሕሪ 20 ዓመታት ዝፍጸም ዘሎ ምብጻሕ፡ ቀ/ሚ ሚንስትር አብይ አሕመድ ድሕሪ ዘቕረብዎ ናይ ሰላም መጸዋዕታን ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተዋህበ ምላሽን’ዩ።

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ነቲ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕን አማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብረአብን ዝርከብዎ ጉጅለ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሙቕ አቀባብላ ጌሮምሎም ኣለው።

እዛ ዕለት ዓባይ ዕለት’ያ ዝበሉ አብቲ ስነ ስርዓት ኣቐባብላ ዝተረኽቡ ኢትዮጵያዊያን ተጀሚሩ ዘሎ ጻዕሪ ሰላም ውጽኢታዊ ከምዝኸውን ተስፍኦም ኣንጸባሪቖም ኣለው።

ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ጽርግያ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣንበልቢላ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘይተራእዩ አጋይሽ አዲስ አበባ ረጊጾም። ንላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝተቐበልሉ እዋን ብኽልቲኦም ወገን ፍሽኽታን ምውቕ ሰላምታን ይረአ ኔሩ።

መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት እውን ነዚ ዜና ጸብጺቡ’ሎ።

እዚ ናይ ሰላም ኩነታት ዝርአ ዘሎ፡ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ምሉእ ንምሉእ ከምትቕበልን ንኮምሽን ዶብ ከምትትግብርን ድሕሪ ምፍላጡ`ዩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG